ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ደቡብ ሱዳን ነዊሕ ግዜ ምውሳዱ ሕጉሳት ኣይኮናን ኢሎም ቀንዲ ሸምጋሊ ኢጋድ


Ambassador Seyoum Mesfin
Ambassador Seyoum Mesfin
ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ዝፀንሐ ልዝብ ነዊሕ ግዜ ምውሳዱ ሕጉሳት ኣይኮናን ኢሎም ናይ ኢጋድ ቀንዲ ሸምጋሊ ኣቶ ስዩም መስፍን።ተላዘብቲ መንግስትን ተቓወምትን ተሰማሚዕናሉ ዝበሉዎ ውዕል እውን ካብ ማእሰርቲ ንዝተፈትሑ ሰበስልጣን ስለዘይሓወሰ ኣይንቕበሎን ኢሎም ኣለው።

ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣቶኲሩ ይካየድ ዘሎ ካልኣይ ዙር ልዝብ ደቡብ ሱዳን ክሳብ ሎሚ ናብቲ ዋና ልዝብ ኣይኣተወን።ናይ ኢጋድ ዋና ሸምጋሊ ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ወፃኢ ዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፍን እቲ ሽምግልና ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱ ሕጉስ ዘይምዃኖም ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።
ክሳብ ሎሚ ይካየድ ዘሎ ልዝብ ኣብ ዋና ቁምነገራት ከይኮነስ ንዝደራደርሉ ኣጀንዳታት ኣብ ምፅዳቕ ስለዝኾነ ክንዲ ዝኣክል ግዜ ብምውሳዱ ሕጉሳት ኣይኮናን፤ናይቶም ወገናት ድልውነት ይሓትት እዩ ኢሎም።

እቲ ድርድር ብምጉታቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይበፅሕ ዘሎ ስቓይን ፀበባን ኣብ ግምት ብምእታው ኩሎም ወገናት ቅድሚ ጉጅላውን ውልቃውን ረብሓታት ህዝቦምን ሃገሮምን ከቐድሙ ኣትሓሳሲቦም ኣቶ ስዩም መስፍን።

ይዋግኡ ዘለው ክልተ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስምምዕ ምብፅሖም እንተገለፁ እውን ብሓባር ክርኢዎ ዝግባእ ዝተረፈ ብዙሕ ነገር ስለዘሎ ከምዘይፍርምሉ ባዕሎም ኣረጋጊፆምልና እዮም፤ኣሳታፊ ክኸውን፣ምምኽኻር ኣድልዪ እዩ ኢሎም።
ኣቶ ስዩም ኣሳታፊ ልዝብ ክብሉ ከለው ካልኦት ወገናት እውን ማለት እውን ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ናይ ቀደም ሰበስልጣን እውን ዝሓቖፈ ማለቶም ይመስል።

እዞም ናይ ቀደም ሰበስልጣን ድማ ኣብቲ ድርድር ክሳተፍ ዝፀንሑ ከም ሳልሳይ ወገን እዮም።
መንግስትን ተቓወምትን ነዚኦም ኣግሊሎም ምልዛቦም ንኢጋድ ዘሐጎሰ ኣይመስልን።
ወሃቢ ቃል ናይ መንግስቲ ተደራደርቲ ምንስቴር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ማይክል ማኩሉዝ ሳልሳይ ወገን ዝብሃለ የለን፤ዝተፈትሑ ሰበስልጣን እውን ካብቲ ድርድር ኣወጊድናዮም ኢና ኢሎም።
ካብ ማእሰርቲ ካብ ዝተፈትሑ ሰበስልጣን ሓደ ዝኾኑ ናይ ቀደም ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢን ጉዳያት ካብኔትን ደንግ ኣሎር ግን ሕዚ እውን ኣብቲ ልዝብ ኣለና ኢሎም ኣለው።

እቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተበፅሐ ውዕል ብኢጋድ ተቐባልነት ኣይረኸበን፤እዚ ከይዲ እዚ ኣሳታፊ ክኸውን፤ኣካሉ እውን ክንኸውን ነይሩና፤ንኹሉ ክሳብ ዘሳትፍ ዝፍረም ኣይመስለንን ኢሎም።

ኣብቲ ድርድር መን ይሳተፍ ሎሚ እውን ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐ ኣይመስልን።
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:18 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG