ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን ንንድፊ ናጻ ምንቅስቓስ ኢጋድ ትቃወሞ


ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ በይነ መንግስታዊ ልምዓት (IGAD)
ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ በይነ መንግስታዊ ልምዓት (IGAD)

ሸሞንተ ዝኣባላቱ ኢጋድ ማለት ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ በይነ መንግስታዊ ትካል ልምዓት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ንናጻ ምንቅስቓስ፤ ንግድ ቀረጽን ርክብን ኣብ ዝአመሰሉ ኣርእስታት ዝዘተየ ክኸውን ኸሎ: አንጋዲት ሃገር ደቡብ ሱዳን ነቲ ብኢጋድ ዝቀረበ ንድፊ ናጻ ምንቅስቓስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝነጸገቶ ተሓቢሩ።

ዓብድራሕማን ኣሕመድ ከሊል ግዝያዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝግበር መገሻታት ናይ ቪዛ ክፍሊታት ብምውጋድ ቁጠባዊ ዕብየት ክድንፍዕ ይኽእል'ዩ ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ: ህዝቢ ብናጻ እናተጎዕዘ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንብረት ከጥርን ኣብ በበይኑ ንጥፈታት ክዋሳእን ዘኽእልን'ዩ ክብል ገሊጹ።

ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ስተፋኖ ዲ ለዮ ብወገኑ ናጻ ምንቅስቓስ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሕብረት ዝፈጥር'ዩ ክብል ነቲ ንድፊ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ደቡብ ሱዳን ግን እቲ ንድፊ ናጻ ምንቅስቓስ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ ስክፍታ ከምዝፈጥር'ያ ትገልጽ።

ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝኾነ ደቪድ ቾኣት ነዚ ኣመልኪቱ: "ዝኾነ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እተን ሃገራት ሃገራዊ ረብሓታተን ክሕልዋ ኣለወን። ሃገራዊ ረብሓታተን ክሕልዋ እንተኾይነን ድማ ሃገራዊ ጸጥተአን ክሕልዋ ኣለወን" ኢሉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ረር ጋይለይር ብወገኑ "ኣስታት 70 ሚእታዊት ደቡብ ሱዳናውያን ክጽሕፉን ከንብቡን ስለዘይኽእሉ እዚ ናይ ናጻ ምንቅስቓስ ንድፊ ዘርብሖም ኣይኮነን" ክብል መግለጺ ሂቡ።

XS
SM
MD
LG