ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጋድ ናብ ልዝብ ንክምለሱ ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣጠንቂቁ


ኣኼባ ኢጋድ
ኣኼባ ኢጋድ
ተናሓናሕቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣብ‘ዘን ዝቅፅላ ኣርባዕተ መዓልታት ንተፃብኦ ከቋርፁ ተዘይኮይኑ ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ቅሩባት ኣለና ኢሎም መራሕቲ ኢጋድ።

ናይሮቢ ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ ሓሙሽተ መራሕቲ ማለት ናይ ኢትዮዽያ ቀ/ሚ፣ፕረዚደንታት ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ጂቡቲን ሶማልያን ተሳቲፎም‘ዮም።

ኢጋድ፣ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዘይተዓጥቁ ሰባት ዝፍፀም ፆታዊ ጥቅዓት ቅትለት ዘረፋን ካልኦት ገበናትን ዝኹነን‘ዩ ይብል።ኣብ‘ዚ ገበን‘ዚ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፈ ድማ ከምዝሕተት የጥንቅቅ።

ልእኽቲ ሕ/ሃ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ሂልዲ ጆንሰን፣ድሕነት‘ቶም ፅላል ሕ/መ ዝደልዩ ንምርግጋፅ በዝሒ ዓቀብቲ ሰላም ንክውስኽ ኣለዎ ዝብል ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ዝናኣድ‘ዩ ኢለን ወ/ሮ ሂልዲ ጆንሰን።

ዕፃ ድሕሪ ነዊሕ ዘበናት ብርቱዕ ግጭት ዝተመስረተት ደቡብ ሱዳን ዘጠራጥር ኮይኑ ከምዘሎ‘ውን ይዛረባ ወ/ሮ ሂልዲ ጆንሰን።

ብመሰረት ሪፖርት ሕ/ሃ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብጠንቂ‘ቲ ህውከት ደቡብ ሱዳን ተቀቲሎም‘ለው።እዚ ግጭት‘ዚ ዝተወለዐ ካብ ነገደ ዲንቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ኣንፃር‘ቶም ካብ ነገደ ኑዌር ዝኾኑ ቀንዲ ፖለቲካዊ መነሓንሕቶም ሪኽ ማቻር ክላዓሉ ኣገዲድዎም‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኢትዮዽያውያንን ኤርትራውያንን ተቀማጦ ደቡብ ሱዳን ንብረቶም ስለዝተዘረፈ ባዶ ኢዶም ከምዝተረፉን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቀ ኣርክቡልና ይብሉ‘ለው።ዛጊድ‘ኳ ሸውዓተ ኢትዮዽያውያን ከምዝተቀትሉ ዘዘራረብናዮም ሰባት ገሊፆም።
ሙሉእ ሪፖርት
please wait

No media source currently available

0:00 0:19:10 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG