ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኣብ ሶማል ይበጽሑ


ዋና ጸሃፊ ኢጋድ ኣብ ሶማል
ዋና ጸሃፊ ኢጋድ ኣብ ሶማል

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሞቓድሾ ምብጻሕ የካይዱ ኣለው። ሶማል ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ብኣድልዎ ንኣዋርሕ ክትኸሶም ፀኒሓ እያ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣቶ ወርቅነህ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ንሰበ-ስልጣን ሶማል ብምምስጋን፡ ኢጋድ ሶማል ገጢሞምዋ ንዘለው ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ‘ሃናጺ ተራ ክትጻወት ምኳና ሓቢሮም።

ኣቶ ወርቅነህ ኣብ ናይ ሶማል ፃኒሕቶም ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ከምዝዘራረቡ ኢጋድ ገሊፁ ኣሎ።

ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ "እዚ ዑደት እዚ ኢጋድ ምስ ሶማል ዘለዎ ርክባት ንምድላዳል ከምኡ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፣ ምርግጋእ ብልፅግናን ንምስጓም ዘይንቕነቕ ድልውነት ዘረጋግፅ እዩ’’ ኢሎም።

ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪ ምፍራም መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ወጥሪ ’ዓሙቕ ሻቐሎት ከም ዝፈጠረሎምን እቲ ኩነታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሕዎን ድሕሪ ምፅውዖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውን ግዝኣታውን ሓድነት ሶማል ስለ ዝጠሓሰ ኣቶ ወርቅነህ ንኢትዮጵያ ብዘይምኹናኖም ይቕሬታ ክሓቱን እቲ ዝሃቡዎ መግለፂ ክስሕቡን ግቡእ ስጉምቲ ክወስዱን ሶማል ምትሕስሳባ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG