ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ሶማልያዊያን ስደተኛታት ይዝትዩ


ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ዝተራኸቡ መራሕቲ ምትሕብባር ልምዓት መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ /ኢጋድ/ ሶማሊያዊን ስደተኛታት ብድልየቶም ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ንምስልጣን ፖለቲካውን ፀጥታውን ኩነታት ሶማል ንምምሕያሽን ተሰማሚዖም።

ሸሞንተ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኩነታት ስደተኛታት ሶማል ንምዝታይ ኣብ ናይሮቢ ተኣኪቦም ነይሮም።መንግስቲ ኬንያ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ንምዕፃው ዝወጠኖ ግዜ ቅድሚ ምእኻሉ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ እዩ እቲ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ እቲ መዕቖቢ ስደተኛታት መፅለሊ ስደተኛታት ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ገበነኛታትን ኣሸበርትን መንቀሳቐሲ እውን እዩ ይብሉ።

ልዕሊ 200 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእኸል ስደተኛታት ዳዳብ፣ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሶማልያዊያን ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብስደተ ይነብሩ። ሓደ ሲሶ ካብኣቶም ኣብ ኬንያ ርብዒ ሚሊዮን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ’ለው።

እቲ ዞባ ሰብኣዊ ቅልውላው እውን ኣጋጢሙዎ’ሎ።ብድርቂ ዝተጠቕዑ ልዕሊ 17 ሚሊዮን ሰባት ረድኤት የድልዮም።

ተዓዘብቲ ብወገኖም ፍርቂ ህዝባ ብጥምየት ዝተጠቕዑዋ ሶማል ህይወት እቶም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ይብሉ ።

ስደተኛታት ብድልየቶም ክምለሱ ጥራሕ ከይኮነስ ካልኦት ሃገራት እውን ንገሊኦም ስደተኛታት ብምቕባል ሓላፍነት ክስከማ እቲ ኣኼባ መራሕቲ ይፅውዕ።

ናይ ሶማል ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ንተመለስቲ ምችው ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ፕሬዝዳንት መንግስቶም ኩነታት ፀጥታ ንምምሕያሽ ካብ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ሓገዝ ክሓትት እዩ ኢሎም ኣለው።

መንግስቲ ሶማል ኣንፃር እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንዘካይዶ ውግእ ንምሕጋዝ ወታደራተን ናብ ሶማል ዝለኣኻ ኬንያ፣ኡጋንዳ፣ጁቡቲ፣ብሩንዲን ኢትዮጵያን እየን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መራሕቲ ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ሶማልያዊያን ስደተኛታት ይዝትዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

XS
SM
MD
LG