ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጋድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፀወዖ ማዕቀብ ሓደገኛን ዘይቅኑዕን እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም


ኣምባሰደር ግርማ ኣስመሮም
ኣምባሰደር ግርማ ኣስመሮም

ባዓል-ስልጣን በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተነበረ ማዕቀብ ንክፀንዕ፣ተወሳኺ ማዕቀብ ዘፈር ዕደናን ካብ ዳያስፖራ ዝላኣኽ ገንዘብን ንክትግበር ወሲኑ‘ሎ።ንጉዳይ ሱዳንን ሶማልያን‘ውን ከምዝተዘራረበ ገሊፅና ኢና።ንሎሚ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ጋሻና‘ዮም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ወለዲ "ጭጉራፍስ'ያ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ ይብሉ።እዚ ብሽም ኢጋድ ዝወፀ ዝባሃል መግለፂ ብምውህሃድ ኣሜሪካን ብምትሕብባር ኢትዮጵያን ንግጉይ ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሽፋንሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ሕጊታት ብሓይሊ ረጊፁ፣ሉኣላዊ መርየት ኤርትራ ሒዙ ክነሱ፣ነዚ ንምሽፋን ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን'ውን ለውጢ ስርዓት ዝብል ኣዊጁ፣ሕጂ ድማ ቁጠባዊ ወራር ተኣዊጁ ነዚ ኩሉ ንምሽፋንን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምፍርራሕን ኣብ መጨረሻ ንረብሓ ዓበይቲ ሃገራት ዝሰርሕ'ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG