ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንተግባር ኢትዮጵያ ዝበለቶ ተጛንፎ ኣብ ዋዕላ ኢጋድ ኣውጊዛቶ


ምንስቴር ወፃኢ ኤርትራ፣ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ዘሕዝን ባህርይ ኢትዮዽያ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዘውፀኦ መግለፂ፣ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮዽያ ነቲ ኣብ መበል ኣርባዓ ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ክሳተፍ ዝኣተወ ዲፕሎማታ ካብ መአከቢ ኣዳራሽ ምውፀኦም ኣውጊዙ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ፣ነቲ ኤርትራዊ ልኡኽ ኣጨኒቆምሉ፣ናይ ቃላት ጥቅዓት ኣውሪዶምሉ፣ንዲፕሎማስያዊ ደረጅኡ ዝጣሓሰ ምፍርራሕ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮዽያ በፂሕዎ፣ናብ‘ቲ መአከቢ ኣዳራሽ ንከይኣትው ኣካላዊ እገዳን ኣበያን‘ውን ኣጋጢምዎ ኢሉ ይኸስስ።

ኣባልነት ኤርትራ ናብ ኢጋድ ብኢትዮዽያ ክኹለፍ ኣይኽእልን ዝብል መግለፂ ምንስቴር ወፃኢ ኤርትራ፣ቻርተር ኢጋድ እንተኾነ ንምእታውን ንሓድሽ ኣባልነትን ኣይጠቅስን ይብል።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ማሕቡብ ማዓሊም ትማሊ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ንልኡኽ ኤርትራ ካብ‘ቲ ኣዳራሽ ንክወፅእ ዝኣዘዝኩ ባዕለይ‘የ፣ኤርትራ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ናይ ኢጋድ ኣባልነታ ብወነና ዘደስከለት ሃገር ስለዝኾነት፣ልኡኻ ናብ‘ቲ ኣኼባ ክትልእኽ ኣይምተገባኣን ነይሩ ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ምስ ዝምልከቶ ባዓል-ስልጣን ኤርትራ ካልእ መዓልቲ ሰፊሕ ቃለ-ምልልስ ንምቅራብ ክንፍትን ኢና።

XS
SM
MD
LG