ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንምስክርነት ቀሪቦም


ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ - ፋይል
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ - ፋይል

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቀሪቦም ኣብ ልዕሊ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ናይ መከላኸሊ ምስክርነት ሂቦም።

ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ብሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝምራሕ ዝነበረ መንግስታዊ ኮርፖሬሽን ኤንጂነሪንግ (ሜቴክ) ካብ ትካል ሎጂስቲክስን መጓዓዝያ ባሕርን ክልተ ዘገልገላ መራኽብ ብምዕዳግ ቆራሪፁ ንቕጥቀመለን ቅድሚ 10 ዓመት ብቦርድ ከም ዝተወሰነ መስኪሮም። ነዚ ዕላማ ንምፍፃም ድማ እተን መራኽብ ካብዝነበረኦ ቦታ ክንቀሳቐሳ ስለዝነበረን፣ ሜቴክ ካብ በዓልመዚ ማሪታይም ናይ መንቀሳቐሲ ጊዜያዊ ፍቓድ ከምዝተወሃቦ ይፈልጥ እየ ኢሎም ።

ኣብ ልዕሊ ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፣ ምስ ዕደጋን ምምሕዳርን መራኽብ ዝተኣሳሰሩ ሰለስተ ክስታት ከምዝቐረቡሎም ጠበቓ ተኸሳሲ ኣቶ ሃፍቶም ከሰተ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።ኣቶ ሃፍቶም ቅድሚ ክልተ ዓመታት ተኸሳሲ ካብቲ ሓደ ክሲ ናፃ ከምዝተባህሉ ብምግላጽ፣ እቲ ሎሚ ብዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝተወሃበ ምስክርነት እውን ፅቡቕ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብዘይ ጨረታ ዕድጊት ራዳር ፈፂምካ ዝብል ንዝቐረበሎም ክሲ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብላዕለዋይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ናይ ገበነኛ ብይን ተዋሂቡ ኣሎ። እንተኾነ፡ “ንራዳር ሓዊሱ ናውቲ ሰራዊት ብሚስጥራዊ መንገዲ እምበር ብግልፂ ጨረታ ኣይዓደጉን፡ ነዚ ድማ መራሕቲ ፖለቲካን ሰራዊትን እታ ሃገር ምስክርነት ሂቦም እዮም፡” ክብሉ ኣቶ ሃፍቶም ንብይን እቲ ቤት ፍርዲ ተቓዊሞም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG