ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 31 ፍሉይ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ አዲስ አበባ የካይድ ኣሎ


በዓል ስልጣን በይነ-መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ(ኢጋድ) ተቓወምቲ ጉጅለታት ደቡብ ሱዳን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክሰርሑ ፀዊዑ።

ኢጋድ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተብፅሐ ውዕል ሰላም ግብራዊ ክኸውን ዘለዎ ድልየት’ውን ኣብቲ ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሓቢሩ።ተንተንቲ ግን ናይ ደቡብ ሱዳን ፕረዝደንት ሳላቫ ኪር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተጋብአ ጉባኤ ዘይምስታፎም ከም ፅቡቕ ምልክት ኣይርኣዩዎን።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ኡጋንዳ፣ሶማልን ሱዳንን፣ሚኒስትራት ወፃኢ ጉዳያት ኬንያን ጂቡትን ከምኡ እውን ዞባዊ ወኪላትን ዓለምለኸ ኣካላትን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም ኣለው።ምኽትል ፕረዝደንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግ ጋዪ ኣብቲ ኣኼባ ብምርካብ ኣብ ደቡብ ሱዳን እናንቆልቆለ ይኸድይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተዘራሪቦም ኣለው።

ፕረዝደንት ሳልቫ ኪር ኣብቲ ኣኼባ ዘይምርካቦም ግን ጎሊሁ ዝተርኣየ ነይሩ።ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ኣትላንቲክ ካውንስል ናይ ዝተባህለ ትካል ምርምር ዳይረክተር ኣብ ጉዳይ ማእኸል ኣፍሪቃ ብሮንዋይን ብሩቶን ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብል።

“ደቡብ ሱዳን እናተበታተነት፣ንዜጋታቶም ክከላኸሉ ዘይክኣሉ፣ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ምሉእ እቲ ከባቢ እናዕለቕለቖ ኣብዝርከበሉ እዋን ፕረዝደንት ሳልቫ ኪር ምስ ናይ ኢጋድ መሳርሕቶም ክዛረቡ ዘይምኽኣሎም ብዛዕባ ምንጪ ሽግራት ደቡብ ሱዳን ዓው ኢሉ ዝዛረቦ መልእኽቲ ኣለዎ።”

ኢጋድ ብወገኑ ፕረዝደንት ኪር ኣብ ቀረባ ዝተኣወጀ ውዕል ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከውዕልን ኣብ ልዕሊ ነቲ ስምምዕ ዝጥሕሱ ድማ ዘየማትእ ስጉምቲ ክወስዱን ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG