ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ሓገዝ እንድሕር ዘይቐሪቡሎም ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘንፀላለዮም ተገሊፁ

  • Lisa Schlein

ብድርቂ ካብ ዝተጠቕዑ 4.5 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ክልተ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ናይ ምግቢ ረድኤት ከምዘድልዮም ፌደረሽን ቀይሕ መስቀልን ይግምት።

ሓንቲ ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፌደረሽን ቅይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ህፁፅ ናይ ምሕጋዝ ስጉምቲ እንድሕር ዘይተወሲዱ ብድርቂ ኣብዝተጠቕዐት ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ኣንፀላሊዩዎም ኣሎ ክብላ ኣጠንቂቐን።

ኣብ ቀረባ ካብ ኢትዮጵያ ዝተመለሳ ብዓልቲ ስልጣን ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ ቃል ዓፀቦ ካብ ዘጋጠማ ሱማሊያ ሃዲሞም ኣለሻ ምግቢ ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዉ ስደትኛታታ ብዙሕ ቆላሕታ ይውሃብ ስለዘሎ ብድርቂ ናይ ዝተጠቕዑ ሚሊዮናት ኢትዮጵያዊያን ጉዳይ ዕሽሽ ይብሃል ከምዘሎ ሓቢረን።

ልዕሊ 12 ሚሊዮን ህዝቢ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ብድርቂ ከምዝተጠቕዑ ሕቡራት መንግስታት ይግምት።ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ሲሶ ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡ።ኮይኑ ግን ይብላ ሓንቲ ላዕለወይቲ ብዓል ስልጣን ፌደረሽን ቅይሕ መስቀል እኹል ቆላሕታ ኣይወሃቦን ዘሎ።


ኣዋሃዲት ስርሒት ቀይሕ መስቀል ክሪስቲን ሳውዝ ማሕበርሰብ ዓለም ብዓብይኡ ኣብ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ከምዘተኮረ ይገልፃ።ንሰን ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ መግለፂ ሱማሊያ ኣብ ቀልቀል ጥምየት ምህላዋን ህዝባ’ውን ምግብን ካልኦት ሓገዛትን ኣዝዩ ዘድልዮ ምዃኑ ርዱእ’ዃ እንተኾነ ግን ይብላ ኣብታ ስደተኛታት ተተኣናግድ ዘላ ሃገር ዝርከቡ ማሕበርሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ተደረቕቲ ከባቢታት ደቡብ ምብራቕ ኣብ ጠርዚ እዮም ዝርከቡ ኢለን።ኣብ መፅለሊ ጣብያ እንተኣቲኻ ደገፍ ዝህበካ መሓውር ኣሎ ዝበላ እተን ሓላፊት እዞም ስድራታት ኣብርሑቕ ገጠራት ስለዝነብሩን ገሊኦም ድማ ተንቀሳቐስቲ ሰበኽ ሳግም ስለዝኾኑን ንዕኦም ንምርካብ፡ንምልላይን ኩነታቶም ንምፅናዕን ከቢድ እዩ ይባል።
ኢትዮጵያ ንተኸታተልቲ ሰለስተ እዋናት እኹል ማይ ስለዘይረኸበት ይብላ ሳውዝ ሰባት ዝቕፅል ወርሒ ጥቅምቲ ዝናብ ክጅምር እዩ ኢሎም ተስፋ ይገብሩ።እዚ ማለት ድማ ሰባት ካብዚ ቅልውላው ክወፁ ጥራሕ ከይኮነስ ንዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣቐዲሞም ክዳለው ኣለዎም ማለት እዩ ይብላ ብምቕፃል።
ከምሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሰባት መማረፅታት እናተፀንቀቑዎም እዮም በላ’ሞ ሳውዝ ኣስዒበን’’ መማረፅታት ተዓፅዩዎም ናብዝኸድዎ ምስኣኖም ብህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮም ምዃኑ ዘርኢ እዩ።ስለዝኾነ ድማ ሰባት ክሞቱ እንተለዉ ቅድሚ ምርኣይና ክንሕግዞም ኣለና ይብላ።’’ኢለን።


ብድርቂ ካብ ዝተጠቕዑ 4.5 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ክልተ ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ናይ ምግቢ ረድኤት ከምዘድልዮም ፌደረሽን ቀይሕ መስቀልን ይግምት።እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ን165 ሽሕ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ 10 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።ካብዚ 29 ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝረኸበ ይገልፅ።
ንዝጠመዩ ሰባት ምግቢ ምቕራብ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ ዝበላ ክሪስቲን ምቕራብ ማይ፡ፅሪየትን ክንክን ጥዕናን ካልኦት ቀዳምነት ዝወሃቦም ሓገዛት እዮም ኢለን።ህይወቶም ንምድሓን ሓገዝ ምስተውሃቡ ቀይሕ መስቀል ኣተሓሕዛ ማይን መስኖን ከምኡው’ን ንኣጠቓቕማ ሕርሻ ዘመሓይሽ ኣገባባት ሓዊሱ ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን መፍትሒታት ጠመተ ከምዝገብር እተን ኣዋሃዲት ፌደርሽን ቀይሕ መስቀል ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ ቃል ሓቢረን።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG