ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓንቲ ካብ አባላት ምርጫ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ካብታ ሃገር ምህዳመን ተገሊጹ

1961 рік. Президент Джон Кеннеді та Жаклін Кеннеді перед ялинкою у Блакитній кімнаті Білого дому у Вашингтоні. Фото зроблене під час різдвяної вечірки для співробітників Білого дому та їх сімей. 
1961 рік. Президент Джон Кеннеді та Жаклін Кеннеді перед ялинкою у Блакитній кімнаті Білого дому у Вашингтоні. Фото зроблене під час різдвяної вечірки для співробітників Білого дому та їх сімей. 

ናይ ኬንያ ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ ድሕሪ ካብቶም ኮሚሽነራት ሓንቲ ካብ ሓላፍነተን ብምውራድ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምህዳመን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ንናይታ ሃገር ፖለቲከኛታት ብርቱዕ መጠንቀቕታ ሂቦም።እቲ ምህዳም ሰበ ስልጣን እቲ ኮሚሽን ተኣማኒ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ከካይድ እንተኮይኑ ጥርጣረ ኣሕዲሩ’ሎ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ዋፉላ ቸቡካቲ ሓንቲ ካብቶም ኮሚሽነራት ናብ ኣሜሪካ ምስ ሃደማ ከምዚ ኢሎም።

“ብግልፂ ክነግረኩም፤ኣብዛ ሃገር ንዝርከቡ ኩሎም ፖለቲካዊ መራሕቲ ቢጫ ናይ መጠንቀቕታ ካርዲ ይህቦም ኣለኹ።ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታተይ ዝኾነ ይኹን ምፍርራሕ ኣይፃወሮን እየ።ደጊም ኣብ ናይቲ ኮሚሽን ስራሓት ጣልቃ ምእታው ዝፃወሮ ኣይኸውንን።”

ካብ ሓላፍነተን ዝወረዳ ኮሚሽነር ሮዝሊ ኣኮምቤ ናይ ሞት መጠንቀቕታ ከምዝበፅሐንን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ናይቲ ኮሚሽን ናይ ቴክኖሎጂ ሓላፊ ተሳቒዮም ምስተቐትሉ ሻቐሎተን ከምዝሓየለ ገሊፀን።

ኣብ ጥቕምቲ 26,2017 ዓ.ም ዳግማይ ኣብ ዝካየድ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ንርእሶም ዘግለሉ መራሒ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ እቲ ኮሚሽን ሓላፍነቶም ዘይተዋፅኡ ሰባት ኣየወገደን ክብሉ ምኽንያት ሂቦም ኣለው።

ንሶም ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዋና ከተማ ንዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ምሕሳሞም ደጊሞም ብምሕዳስ ሰባት ኣብ ምርጫ መዓልቲ ናብ ጎደናታት ወፂኦም ተቓውምኦም ክገልፁ ፀዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓንቲ ካብ አባላት ምርጫ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ካብታ ሃገር ምህዳመን ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:43 0:00

XS
SM
MD
LG