ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዕቖቢ ደብረ ብርሃን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተጸጊሞም ከምዘለው ገሊፆም


ፋይል
ፋይል

ካብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ካብ ወለጋን ከባቢታት ምብራቕ ሸዋን ተመዛቢሎም ኣብ ደብረ ብርሃን ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብሰንኪ ይሃርም ዘሎ ዝናብ ከምዝተፀገሙ ገሊፆም።

ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ተመዛበልቲ ኣብ ክልተ ካምፕታትን ኣብ ኣርባዕተ ነኣሽቱ መፅለሊታትን ከምዘለው ዝገልፅ ምምሕዳር ከተማ ደብረ ብርሃን ነቶም ተመዛበልቲ ንምቕባል ደርጅኡ ዝሓለወ መዕቖቢ መዓስከር የለን ይብል።

ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ዝወፀ ፀብፃብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት(ኦቻ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ረድኤት ተበፃሕነት ይመሓየሽ እንተሃለወ እውን ካብ ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ናብ መዕቖቢ መዓስከራታት ዝኣትወ ግን ይነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ናብ ንቡር ስለዘይተመለሰ ኣብ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ኩነታት ተፅዕኖ የሕድር ኣሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG