ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንነት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ኒስ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ተፈሊጡ


ትማሊ ሓሙስ ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ኒስ ተኣኪቦም ብዓል ባስቲል የኸብሩ ናብ ዝነበሩ ሰባት ናይ ፅዕነት መኪና ብምዝዋር ን84 ሰባት ዝቐተለን ንልዕሊ 100 ካልኦት ዘቑሰለን ሰብ መንነቱ ከምዝተፈልጠ መርመርቲ ገሊፆም።

መርመርቲ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ከተማ ኒስ ንዝርከብ መንበሪ ኣፓርታማ ዘዋሪ ናይ ፅዕነት መኪና ከም ዝነበረ ዝተገልፀ ወዲ 31 ዓመት መሓመድ ላህይጂባውለል ፈቲሾም ኣለው።

መሓመድ ኣብ ወሰን ማይ ኒስ ተኣኪቦም ብዓል የኽብሩ ኣብዝነበርሉ እዋን ብመኪና እዩ ጨፍሊቑዎም።

እታ መኪና ጠጠው ምስ ኣበሉዋ መሓመድ ምስ ፖሊስ ተታዂሱ ተቐቲሉ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድ ሎማዕንቲ ዓርቢ ናብ ኒስ ተጓዒዞም ኣለው።ካብ ሰበስልጣን ፖሊስን ፀጥታን ከምኡ እውን ሰበስልጣን ሕክምናን መብርሂ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG