ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ሶማል ንዘጋጠመ ደርቂ ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ይስጉም ኣሎ፡ካልእ ብዙሕ ጸገማት ግን ኣሎ” ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል


ዳይሬክተር ዓለምለኸ ስርሒታት ኣብ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ዶመኒክ ስቲልሃርት(ፋይል)
ዳይሬክተር ዓለምለኸ ስርሒታት ኣብ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ዶመኒክ ስቲልሃርት(ፋይል)

ኣብ ሶማል ንዘጋጠመ ደርቂ ዝወሃብ ዘሎ ሰብኣዊ ግብረ መልሲ ቅልጡፍ ምዃኑን ዓብይ ጽልዋ ከምዘለዎን እንተኾነ ገና ብዙሕ ካልእ ጸገማት ከምዘሎ ሓደ በዓል ስልጣን ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ገሊጾም። ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቂ ንልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ መግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ከምዝኾኑ ጌሩ’ሎ።

እቲ መደበሩ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝኾነ ትካል ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ምስ ናይ ሶማል ቀይሕ ወርሒ ብምትሕብባር በቲ ደርቂ ዝተጠቕዑ 1 ሚልዮን ሰባት ንምብጻሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ደቡባዊን ማእኸላይ ዞባታት ሶማል ዑደት ድሕሪ ምኽያድ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛት መግለጺ ዝሃቡ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ስርሒታት ኣብ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ዶመኒክ ስቲልሃርት ኣብ ከም ባይደዋ ዝአመሰላ ከተማታት ዘሎ ኩነታት ይረጋጋእ ከምዘሎ እንተኾነ ኣብ ርሑቕ ገጠራት እታ ሃገር ግን እቲ ኩነታት ካልእ ምኳኑ ይገልጹ።

“መብዛሕትኦም እቶም ናብ ማእከላት ዝመጹ ሰባት ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝመጹ እዮም እዚ ድማ እቲ ኩነታት ኣብ ገጠራት እቲ ሃገር ዝኸፍአ ምኳኑ ዘርእይ እዩ።”

እቲ ኩነታት ብፍሉይ ንህጻናት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምኳኑ’ውን ይሕበር ኣሎ።ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዘለው ክሊኒካት ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዝበዝሑ ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩ ሕጻናት ኣዕቑቡ ከምዘሎ ይገልጽ።

ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ን ጥምየትን ንርብዒ ሚልዮን(260,000) ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ይዝኸር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG