ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱማሊያ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ዝቖሰሉ ሰባት ሕክምና ኣይረኽቡን ተባሂሉ


ወሃቢ ቃል ICRC ማርሴል ኢዛርድ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ቀይሕ መስቀል ካልኦት ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ናብ ከባቢያዊ ሆስፒታላት ከይበፅሑ ይተርፉ ከይህልዉ ስግኣት ኣለዎ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቐይሕ መስቀል ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጁባ ሱማሊያ ይካየድ ብዘሎ ቀፃሊ ውግእ ብዙሓት ዝቖሰሉ ሰባት ናብ መሐከሚ ጣቢያታት ክበፅሑ ኣይከኣሉን ኢሉ።

መብዛሕቲኦም ስቪላት ዝርከብዎም ኣብ ማእኸላይ ጁባ ኣብቀረባ ኣብዝተኻየደ ውግእ ዝቖሰሉ ልዕሊ 100 ሰባት ሕክምና ናብ ዝረኽብሉ ቦታ ከበፅሑ ኣይከኣሉን ክብል ዓለምለኸ ኮሚቴ ቐይሕ መስቀል/ICRC/ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ICRC ማርሴል ኢዛርድ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ቀይሕ መስቀል ካልኦት ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ናብ ከባቢያዊ ሆስፒታላት ከይበፅሑ ይተርፉ ከይህልዉ ስግኣት ኣለዎ።

ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ክልኒካት ከምዘየለውን ኣብ ልዕሊኡ እቲ ከባቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደገኛ ስለዝኾነ ክንደይ ሰባት ፎቖዶ ተቐርቂሮም ከምዘለው ከምዘይፈልጡን ወሲኾም ሓቢሮም።

ICRC ኣብ ቀረባ እዋን ወታደራት ኬንያን ኣል-ሽበባን ናብ ዝዋግኡሎም ግንባራት ውግእ ኪስማዮ፡ኣፍማደውን ዶብለይን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክልቲኦም ወገናት ናብዝርከቡ ማእኸላት ሕክምና ህፁፅ ቀረባት ከምዝለኣኸ ይገልፁ።

ኬንያዊያን ናብቲ ከባቢ ምእታዎም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዝተሓላልኸ ኩነት ወሲኹ ኣተሓላሊኽዎ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ቀይሕ መስቀል ኢዛድ ከምዝበልዎ ቅድሚ ኹል በቲ ሓዊ ዝልብለቡ ዘለው ስቪላት እዮም፡ኣብቲ ከባቢ ንዝሰርሑ ትካላት ረድኤት እውን ስርሖም ንኸይሰርሑ ፅዕንቶ እናሕደረሎም እዩ ይብሉ።

ንሶም ብምቕፅላ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተን ሰለስትን ኣዋርሕ ተኸታታሊ ውግእ ክካየድ ፀኒሑ እዩ ምስበሉ ‘’ብምኽንያት ሓድሽ ውግእን ኩሎም ኽትራናትን ኣብ ደቡብ ንምስራሕ ንትካላት ረድኤት ሓደገኛ እዩ።ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ጥራሕ ኣይኮነን ዘሽግሩ ዘለው ሽፍታታት እውን እዮም።እቲ ከባቢ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንትካላት ረድኤት ስርሖም ንምስራሕ ኣፀጋሚ እዩ።’’ኢሎም።

ኢዛርድ ICRC ብዘይ ወገናውነት ኣብቲ ከባቢ ብነፃ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ትከል እዩ ኢሎም።እቲ ትካል ምስ ኩሎም ዕጡቓት ጉጅለታት ከምኡ’ውን ምስ ወታደራት ኬንያ ኣብ ምዝርራብ ይርከብ።ቀይሕ መስቀል ስቪላትን ቑስለኛታትን ሕክምና ንኽረኽቡ ኩሎም ወገናት ብዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ክቕየዱ ከምዘለዎም ICRC ይፅውዕ።

XS
SM
MD
LG