ዓለም ለኸ ፈደረሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።መንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኮምቴ ቀይሕ መስቀልን እውን እናተዘራረቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ዋና ፀሓፊ ዓለም ለኸ ፈደረሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣቶ በቀለ ገለታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብዝኣተው 7 ሰነ 2003 ዓ/ም ጀሚሮም ምስ ሰበስልጣን ሃገራውን ኣህጉራውን ኣካላት ክዘራረቡ ፀኒሖም ኣለው።
ብናቶም ኣገላልፃ ዝፀንሐ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ካብዝርከቡ ኩሎም መዘነታቱ እቲ ዝጠንከረ ነይሩ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስቶም ካልኦት ክወዳደር እንተሎ ግን ከምቲ ዝነበሮ ኣይኮነን ይብሉ።
እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ትማሊ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ከምዝተዘራረቡ ኣቶ በቀለ ገለታ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።ንሶም ‘’ መንግስቲ ነቲ ሃገራዊ ማሕበር ንምጥንኻር ኣብዝሕግዘሉ ኢና ተዘራሪብና።እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ነቲ ሃገራዊ ማሕብር ንምጥንኻር ከምዝሕግዙ ብሓቂ ዓብይ ተስፋ እዮም ሂቦምና።ምስቶም ቀዳማይ ምንስቴር ደስ ዝብል ግዜ ኢና ኣሕሊፍና።’’ይብሉ።
ምንጭታት ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ እቶም ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ብዛዕባ ዝጠናኸረሉ ምስ ኣመራርሓ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተመያይጦም ኣለው።
እቶም ዋና ፀሓፊ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ዓለም ለኸ ፈደርሽን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዎ ሃለዋትን ናይ ስራሕ ምቅስቓሱን ብሕጊ ኣፍልጦ ዝረኽበሉ ኩነታት ንምፍጣርን ንምስምማዕን ከምዝኾነ ይገልፁ።
ኮምቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ሱማሊያ ንኸይቀሳቐስ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምኽልካሉ ዝፍለጥ እዩ።ብዛዕባ’ዚ ቪኦኤ ንቶም ዋና ፀሓፊ ሕቶ ኣቕሪቡሎም ኣቶ በቀለ ገለታ ብኣፅንኦት ከምዝገለፅዎ ንሶም ዝመርሑዎ ዓለም ለኸ ፈደረሽንን ኮሚቴ ማሕበር ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀልን ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም እዩ።ኮይኑ ግን እቲ ጉዳይ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ምንስቴር ወፃኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተዘራሪቦምሉ ኣለው።
ኣብቲ ቦታ ይሰርሕ ዝነበረ ናይቲ ኮምቴ ሰራሕተኛ ምናልባሽ ዝገበሮ ነገር ክህሊ ይኽእል እዩ ዝብሉ እቶም ዋናፀሓፊ እንተኾነ ግን እቲ ርክብ ንምዕራይ መንግስቲ ምስቲ ኮምቴ ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከብ ተነጊሩኒ ኣሎ ይብሉ።