ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ዝኾነት ነርስ ተጨውያ


ቤት ጽሕፈት ቀይሕ መስቀል ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ
ቤት ጽሕፈት ቀይሕ መስቀል ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ሓደ ካብ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛታት ዝኾነት ነርስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምጭዋያ ገሊጹ። ዕጡቓት ጉጅለ ናብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ትካል ብምእታው ነታ ነርስ ምጭዋዮም ተፈሊጡ’ሎ።

ሶማል፡ ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል ዝኾነት ነርስ ተጨውያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ኣብ መንጎ ሓለውቲ እቲ ቤት ጽሕፈትን ዕጡቓትን ግጭት ከምዘይነበረ ይሕብሩ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጸጥታ ሶማል ዓብደልዓዚዝ ሂልዲባን እቲ መጥቓዕቲ ምስ ግብረ ሽበራ ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ይገልጹ። ንሶም ብተወሳኺ መንነት ወዳቢ እቲ ጭውያ ከምዘፈልጠን ኣብ ትሕቲ ናይ መንግስቲ ምክትታትል ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ይሕ መስቀል እታ ዝተጨውየት ነርስ ጀርመናዊት ዜጋ ምዃናን ስማ ድማ ሶንያ ኒትነት ከምትበሃል ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ሃለዋት እታ ነርስ ከምዘሻቀሎ ብምግላጽ ብቅልጡፍ ክትፍታሕ ጸዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG