ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕክምና ዝተፈጸሙ ስርቂን ዕንወትን ጸገም ይፈጥር ከምዘሎ' ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል (ICRC) ገሊጹ


icrc logo
icrc logo

‘ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ኣሻቃሊ እዩ፣ ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ብስንኪ ሕማቅ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ትግራይ ክበጽሕ ኣይካኣለን ዘሎ’ ትብል ወሃቢት ቃል ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል።

ኣልዮና ስየንኮ፣ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረቤት ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለው፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ’ውን ኣሻሓት ዝተመዛበልሉ ኩነታት ከምዘሎን መብዛሕተኦም ምንጪ ኣታዊኦም ከምዝሳኣኑ፣ ሓረስቶት ቅድሚ ናይ ሕርሻ ወቅቲ ካብ ከባቢኦም ከምዝተፈናቀሉን ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠሞምን'ውን’ ጠቂሳ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ኣብ መቀለ፣ ዓዲግራት፣ ኣክሱምን ሽረን ጥራይ ይነጥፍ ከምዘሎ ኣረጋጊጻትልና ኣላ። እተን ዝተረፋ ከተማታትን ገጸራትን ግና ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ክንኣትው ኣይካኣልናን፣ ምንጪ ሻቅሎት ኮይኑና’ውን ኣሎ’ ኢላ።

‘ዝተሰርቁን ጥርሖም ዝተረፉን ትካላት ጥዕና ተዓዚብና አለና። እዚ ድማ ንዓና ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩልና እዩ። ምኽንያቱ፣ እዚ ጸገም’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣገልግሎት ይልግሱ ዘለው ሆስፒታላት ተወሳኺ ጸቅጢ እዩ ዝፈጥር’ውን’ ኢላ።

ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝሰፈሩ ኣሻሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣመልኪታ ክትገልጽ ከላ ‘ኣብ ትግራይ 4 መዓስከራት ኣለዋ፣ ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ኣለው፣ ኩነታቶም ብዝምልከት ግና፣ ብርክት ዝበሉ ምፍንቃላት ስለዝተፈጥረ፣ ሃለዋት ስደተኛታት ንጹር ኣይኮነን ዘሎ’ ኢላ።

XS
SM
MD
LG