ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ኣብ ኡጋንዳ ዝተራእየ ኢቦላ ንከይዝርጋሕ ጻዕርታት የካይድ ምህላው ገሊጹ


ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ኣብ ኡጋንዳ ዝተራእየ ኢቦላ ንከይዝርጋሕ ጻዕርታት የካይድ ምህላው ገሊጹ።

ኣብ ኡጋንዳ ብውሕዱ 10 ሰባት ብኢቦላ ከምዝሞቱን 44 ካልኦት ድማ እቲ ቫይረስ ከምዝሓዞምን ኣህጉራዊ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ኣረጋጊጹ`ሎ። ንዝርግሐ`ቲ ቫይረስ ንምዕጋት ድማ ምስ ሚንስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ቫይረስ ኢቦላ ናብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከይዝርጋሕ`ውን ስግኣት ፈጢሩ`ሎ።

ኣብ ኡጋንዳ ዳይሬክተር'ቲ ትካል ኤሊያህ ኦከዮ፡ ኢቦላ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዝሓለፈ ተመክሮና ተጠቒምና ጠጠው ክነብሎ ንሰርሕ ኣለና ኢሉ። ኡጋንዳ ቅድሚ ሎሚ ክንዲ'ዚ ክብደት ዘለዎ ዝርግሐ ኢቦላ ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን`ዩ።

ኢቦላ ምልክታቱ ረስኒን ተምላስን ኮይኑ ክብርትዕ ከሎ ድማ ውሽጣዊ መድመይቲ ኣስዒቡ ዝቐትል ቫይረስ`ዩ: ክሳብ ሎሚ ክትባት ከምዘይተማህዘሉ ድማ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG