ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ICG ‘ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሃዲዱ መታን ከይስሕት’ ዝብል ገምጋማዊ ሰነድ ዘርጊሑ


William Davidson
William Davidson

ኣብ’ዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከቢድ ተባራዒን ተለዋዋጢን ፖላቲካዊ ሃዋህው ዝራኣየላ ሃገር’ያ ይብል ዊልያም ደቪድሰን። ንሱ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ‘ዓይኒ ኩሉ ሰብ ናብ’ቲ ዝመጽእ ግንቦት ክካየድ’ዩ ዝባሃል ሃገራዊ ምርጫ ኮይኑ’ሎ፣ ልዕሊ ኩሉ ‘ምስረታ ሓድሽ ፓርቲ ብልጽግና’ዩ’ በለ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝነበሮ ቃለ ምልልስ።

ዓለም ለኸ ትካል ቅልውላው ኣብ ሪፖርቱ ‘ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ህድኣት ስግኣትን ቅልውላውን ዘስዕብ እንተኾይኑ ናብ ካልእ ጊዜ እንተተሳገረ’ዩ ዝምረጽ’ ኢሉ’ሎ።

ዓለም ለኸ ትካል ቅልውላው ‘ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዕድመ ፓርላማ 5 ዓመት’ዩ። ሕገ መግስታዊ ግዴታ ስለዝኾነ ክትግበር ኣለዎ። እቲ ሕቶ ግና ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ፖለቲካዊ ባይታ፣ ዴሞክራሲያዊ ሃዋሁ ምቹኣት ድዮም ዝብል’ዩ’ ይብል።

‘ካልእ ክላዓል ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር፣ ሰበ ስልጣን ትግራይ፣ ብዝኾነ ኣገባብ ምርጫ እንተተደናጉዩ፣ ምሳኻትኩም ኣይንሳተፍን ኣይነሕግዝን’ውን ኢሎም ደጋጊሞም ኣቃሊሖም’ዮም። ስለዝኾነ’የ ኩሉ ሓቖፍ ስምምዕነት ክህሉ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል ዘለኹ’ ኢሉ ዊል ዴቪድሰን።

ዓለም ለኸ ትካል ቅልውላው ኣብ ናይ ዳሕረዋይ ሪፖርቱ ‘ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኣራሳሳኒ መደረታት ንከወግዱ’ ጸዊዑ ኣሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:33 0:00


XS
SM
MD
LG