ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፕረዝደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይምእታዋ ግቡኣ ኣይፈጸመትን ይብል


ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን- 6 ሓምለ 2017
ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን- 6 ሓምለ 2017

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ደቡብ ኣፍሪቃ ብገበን ምጽናት ዘርኢ ንዝተከሰሱ ፕረዝደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ግዝኣታ ኸለው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብዘይምእታዋ ግቡኣ ኣይፈጸመትን ይብል ።

“ቤት ምኽሪ እቲ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዝደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይምእታዋ ንትእዛዝን ጠለብን እቲ ቤት ፍርዲ ምጥሓስ’ዩ” ክብሉ ዳኛ ኩኖ ትራስፋሰር ገሊጾም።

ቤት ፍርዲ ነዚ ጉዳይ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣየመሓላለፎን።

ቤት ፍርድታት እታ ሃገር መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፕረዝደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይምእታው ምንቃፎም ዝዝከር ኮይኑ ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ምትሕልላፋ ብዙሕ ውጽኢት ከምዘይህልዎ’ውን ይገልጽ።

ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ግን እቲ ውሳኔ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ፕረዝደንት ዑመር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ምእታው ዝከላከሎም አካል ዘይምህላዉን ካልኦት ሃገራት’ውን ነቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብነት ካብ ምክታል ዝከላኸል’ዩ ይብል።

ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ክፍሊ ምርምር ኣፍሪቃ ናጽነት በላይ “ሰበ ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ንውሳኔ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዘይምትግባሮም ግዳያት ፍትሒ ናይ ምርካብ ዕድሎም ምምንዛዕ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ እዚ ዘሕፍር ኣጋጣሚ ዳግማይ ከይድገም’ዩ” ይብሉ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ፕረዝደንት ኣል በሽር ብክስታት ምጥፋእ ዘርኢ፡ ብገበን ኩናትን ገበን አንጻር ሰብኣዊነት ብምኽሳስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው ኣዚዙ’ሎ ንሶም ግን ነቲ ክስታት ይነጽጉ።

XS
SM
MD
LG