ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ ይቐፅልዶ ኣይቐፅል?


ICC logo
ICC logo

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ ዝተጣየሸሉ ምኽንያት ዘስካሕክሑ ገበናት ተፈፂሞም ግን ፍትሒ ኣብዘይወሃበሎም ከባቢታት ዓለም ፍትሒ ንምርግጋፅ እዩ።ገበን ዝፈፀመ ልዕሊ ኣብ ዘሄግ ዝመደብሩ ቤት ፍርዲ ክኸውን ኣይኽእልን።እዚ ነይሩ እቲ ሓሳብ።ኣብ ልዕሊ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታን ዝቐረቡ ክስታት በርዒኖም ምትራፎም ግን ኣብ ኣድማዕነትን ኣድላይነትን ICC ክትዕ ኣልዒሉሎ።

ንጥርዓን መራሒ ሚሊሽያታት ኮንጎ ቶማስ ሉባንጎ ዝሰምዑ ዳያኑ ኣብዘሄግ ዝመደብሩ ቤት ፍርዲ ቅድም ክብል ንዝተውሃበ ውሳነ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ኣፅኒዖምዎ ኣለው።እዚ ነቲ ቤት ፍርዲ ዓወት እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ዝጣየሽ 2002 / ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መዕልቦ ዝሃበሎም ጉዳያት ሰለስተ በፂሖም ኣለው።ውዱቕ ዝገበሮ ኽሲ ሓዊሱ ማለት እዩ።

ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ቐሪቦም ዝነበሩ ክስታት ዓቃቢ ሕጊ ዝበርዓንሉ ወርሒ ኮይና ክትዝከር እያ።ዋና ዓቃቢ ሕጊ ICC ፋቱ ቤኑሱዳ ሰበስልጣን ኬንያ ንመሰኻኽር ብምፍርራሕን ሰነዳት ንምሃብ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖምን ከም ምኽንያት ብምጥቓስ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝዳንት ኬንያታ ዝቐረቡ ክስታት ከምዝሓደግኦ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እዚ ናይ ኬንያታ ግዳይ ICC ክቕፅልዶ ኣለዎ ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ ክትዕ ኣሐይልዎን ኣሎ።

ኣብ ናይ ኣውሮፓ ቤት ምኽሪ ርካባት ወፃኢ ክኢላ መሰላት ዝኾኑ ኣንቶኒ ዲወርክን ግን እወ ክቕፅል ኣለዎ ይብሉ።’’ዘስካሕክሑ ገበናት ዝፍፅሙ ክሕተቱ መትከላዊ እምነተይ እዩ’’ዝበሉ ኣንቶኒ ብምስዓብ ‘’ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ሎሚ እንተተወጊዱ ንዓለምለኸ ፍትሒ ዓብዪ ጉድኣት እዩ።ICC ንምጥፋእ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ እቃወሞ እየ’’ይብሉ።

ብዙሓት ምስዚ ኣይሰማምዑን። ICC ብፍትንሕን ርትዕን ከይኮነስ ብፖለቲካ እዩ ዝዕበለል ይብሉ ነቐፍቲ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ገበናት ንኽምርመሩ ናብ ICC የሕልፎም።እንተኾነ ግን ሰለስተ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሩሲያ፣ቻይናን ዩናይትድ ስቴትስን ኣባላት ICC ኣይኮናን።እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 12 ዓመታት ንክልተ ጉዳያት ጥራሕ መዕልቦ ምሃቡ እዚ ኩሉ ገንዘብ ወፃኢ ክግበረሉ ቕቡል ድዩ? ይብሉ ነቐፍቲ።

ገሊኦም መራሕቲ ኣፍሪካ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ኣድልዎ ይገብር እዩ ይብሉ።ኣብ ከይዲ ፍርዲ ዝርከቡ ኩሎም ኣፍሪካዊያን እዮም።ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናይ ኡጋንዳ ፕሬዝዳንት ዩዎሪ ሙሶቮኒ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ካብ እቲ ቤት ፍርዲ ንኽወፃ ዝቕፅል ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣጀንዳ ከቕርቦ እየ ኢሎም ኣለው።

ስቲቭ ላምነይ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጥምረት ምስ ICC ናይ ዝተብሃለ ዓለምለኸ ጉጅለ እዮም።ፍርዶም ኣብዝቕፅል ዓመት ዝጅምር ናይ ኣይቮሪ ኮስት ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ላውረት ባግቦ ክኽሰሱ መረጋገፂ ምሃቡ ሓዊሱ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ዓመት ዝሰርሖም ዕዮታት ከም ዓወት ይጠቕስዎ።እቲ ቤት ፍርዲ ስርሑ ብኣድማዒ ክዓዪ ካብ ኣፍሪካዊያን ነቐፍቱ ከይተረፈ ዘድሊ ፀጋታትን ሓገዝን ከምዘድልዮ ይገልፁ ላመኒ።

ኣብ ኣፍሪካ ዝፍፀሙ ገበናት እቲ ቤት ፍርዲ ክሪኦም ዝቐርቡ ሕቶታት ካብ ቤት ምኽሪ ፀጥታን ካልኦትን ከይኮነስ መብዛሕቲኡ ግዜ ካብ ኣፍሪካ እዮም ክቐርቡ ፀኒሖም ይብሉ ንሶም።

ኣብ ናይ ኬንያታ ጉዳይ እቲ ኽሲ ነዊሕ እዩ ተወጢሩ ይብሉ ተንታኒ ድወርክን።’’ዘተኣማምን መርትዖ ከይሓዝካ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካዊ መራሒ ክሲ ክትምስርት ዘይምዕዳል እዩ’’ዝበሉ እቶም ተንታኒ ‘’ክትኣትዎ የብልካን።ክትሓባበር ድልዊ ኣብ ልዕሊ ዘይኮነ መራሒ ሃገር እቲ ቤት ፍርዲ ኽሲ ክምስርት የፀግመሉ እዩ።ዓብዪ ዓለምለኸ ሓገዝ ክይተውሃቦ ክሰርሕ እዩ ማለት ዘይክኣል እዩ’’ኢሎም።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ቤንሱዳ ካብ ሕቡራት መንግስታት ሓገዝ ኣይረኸብናን ክብላ ኣብ ዳርፉር ተፈፂሞ ዝተብሃሉ ገበናት ኲናት ይካየድ ዝነበረ ምርመራ ምቁራፁ ኣብዚ ወርሒ እዚ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ገሊፀን ኣለዋ።ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ቻይና ንሱዳን ስለእትድግፋ ዝክኣል ኣይኮነን ይብሉ ተዓዘብቲ።ICC ብምፅናት ዘርእን ካልኦትን ክስታት ተኣሲሮም ንክቐርቡ ትእዛዝ ዝሃበሎም ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ዖማር ኣል-በሽር ዓወት ኢሎምዎ ኣለው።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ኮሎምቢያ፣ጆርጂያ፣ሆንዱራስ፣ዒራቕን ኡክሬይንን ሓዊሱ ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ምርመራታት የካይድ ኣሎ።ኣብ ኣፍጋኒስታን እውን ወታደራዊ ሓይሊ ዩናይትድ ስቴትስምዕቡል ናይ ምርመራ ስልቲ ‘’ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ኣገባብ ገበን ተፈፂሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብላ ምርመራ ከምዝካየድ ቤንሱዳ ሓቢረን ኣለው።ዋሽንግተን ኣይፈረመትን፤ኣፍጋኒስታን ግን ፈሪማ እያ።

ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኣመሰላ ሓያላት ሃገራት ምርመራ ንምክያድ ፖለቲካዊ ኣፀጋምነት ስለዘለዎ ውፅኢት ንምርካብ እውን ከምዘጠራጥር ተንተንቲ ይዛረቡ።

ተንታኒ ድወርኪን ነቲ ቤት ፍርዲ ብምፍራስ ከይኮነስ ስርሑ ብዝግባእ ንክሰርሕ ክጠናኸር ኣለዎ ይብሉ።ሽዑ እንታይ ይሰርሕ እንታይከ ኣይሰርሕን ብግምሪ ምርኣይ ይክኣልን እዩ ክብሉ።

XS
SM
MD
LG