ዋሽንግተን —
ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ገበን (ICC)፡ ኣብ ኣል-ፋሸር ዳርፎር ዝተፈጸመ ገበናት ይምርምሮ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ መረዳእታ ዘለዎም ወገናት ሰነዳቶም ክልእኩ ጸዊዑ።
ዋና ኣኽባር ሕጊ እቲ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ካሪም ኻን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ከተማ ብሓይልታት ህጹጽ ወሃብ-ደጋፍ ተፈጺሙ ዝበሎ ጥሕሰታት እቲ ቤት ፍርዲ ይምርምሮ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ድምጺ፡ ምስሊን ካልእ መሰናይታ ናይቲ በደላትን ዝሰነዱ ኣካላት መረዳእታቶም ክልእኩ ጸዊዑ።
ድሮ ገይሩዎ ብዘሎ ኣፈናዊ ዳህሳስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብታ 1.8 ሚልዮን ህዝቢ (ካብኣቶም ሓያሎ ተመዛበልቲ) ዝርከቡዋ ኣልፋሸር፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዓሌት-ተኮር ቅትለት፡ ጃምላዊ ደብዳብ፡ ደይ-መደይ ተባሂሉ ዝፍጸም ዕንወት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዘረፋን ምርኣዩ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዞባ ዳርፎር ብዝደገሰ ግጭት፡ ኣስታት 130-ሽሕ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ መዛግብቲ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዓመትን 2 ኣዋርሕን ኣብ ዘሕለፈሉ ግዜ ኣስታት 18 ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ሸሚሙዎም ይርከብ። ዛጊት ግን ብፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ኣካላት ጥሜት ኣይተኣወጀን።
ቅጥዒ