ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንገበናት ኩናት ብሩንዲ ዝምልከት ምርመራ ክኻየድ ፈቒዱ


ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ካብ ሚያዝያ 2015 ክሳብ ጥቅምቲ 2017 ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ገበናት ኩናት ፈጺሞም’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝብል ክሲ ምርመራ ክኻየድ ፍቓድ ሂቡ።

ብመሰረት ካብ ዳኛታት እቲ ቤት ፍርዲ ዝወጸ መግለጺ ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ብዝተሓሓዝ ዝቐረበ ክሲ ምርመራ ንምኽያድ ዘገድዱ መሰረት ከምዝተረኽበ ብምሕባር ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ ገበናት ኩናት፡ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያትን ልዕሊ 1,000 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ኣስታት 400,000 ድማ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ገሊጾም።

ነቲ ኣብ ብሩንዲ ዝተኻየደ ገበናት ኹናት ዝምልከት ምርመራ ክኻየድ ዝፈቕድ ውሳነ ኣብ ጥቅምቲ 25,2017 ዝሓለፈ ኮይኑ እዚ ድማ ብሩንዲ ካብ ኣባልነት ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ምውጻእ ቅድሚ ምፍላጣ ክልተ መዓልታት እዩ። ውሳነ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ወግዓዊ ከይኾነ ዝጸንሓ ኮይኑ እቲ ቤት ፍርዲ ብሩንዲ አባል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንዝተፈጸመ ገበን ክምርምር ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን ኣለዎ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ፕረዚደንት ፔረ ኒኩሪንዚዛ ንሳልሳይ ናይ ስልጣን ዘመን ኣብ ምርጫ እታ ሃገር ክሳተፉ ምኳኖም ምስ ኣፍለጡ ተቓውሞ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምልዓሉ ይዝከር። ነቐፍቲ እዚ ውሳነ ፕረዝደንት ኒኩሪንዝዛ ነቲ ኣብ ምዝዛም ኩናት ሓድሕድ ብሪንዲ ዝተበጽሓ ስምምዕን ንናይ ስልጣን ዘመን ፕረዝደንት ዝድርት ቅዋም'ታ ሃገር ዝቓወም ምኳኑ ይገልጹ።

Recommended

XS
SM
MD
LG