ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቀነየ ኣድማሳዊ ዋዕላ አይድስን ፆታዊ ተላገብቲ ሕማማትን ተዛዚሙ


ሕፅረት "ፈንድ" ቀንዲ ትኹረት ረኺቡ ቀንዩ

ኣብ‘ቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዛዘመ ኣድማሳዊ ዋዕላ ኤይድስ (ኢካሳ - ኣዲስ ኣበባ) መጠን ንውግእ ፀረ-ኤይድስ ዝልገስ ገንዘብ ምንካዩ ቀንዲ መካትዒ ከምዝኾነ ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃቡ ምንስትር ጥዕና ኢትዮዽያ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆርጅ ቡሽን ናይ ሕ/መ ፕሮግራም ኤይድስ ዳይረክተር ሚሸል ስዲቤ፣ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት‘ቲ ኣኼባ ዘቃልሕዎ ምንካይ ደገፍ ገንዘብ፣ብካልኦት ተሳተፍቲ‘ውን ተደጊሙ‘ሎ።

ምንስትር ጥዕና ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝሓበርዎ፣ዓለም-ለኸ ለገስቲ ንወፍሪ ፀረ-ዓሶ፣ዓባይ-ሳዓልን ኤይድስ ዝልግስዎ መጠን ገንዘብ፣ምስ ንዓለም ዘጓነፋ ቁጠባዊ ቅልውላው ተኣሳሲሩ እናነከየ ስለዝመፀ፣ኣገዳሲ መዘራረቢ ነጥቢ‘ዩ ኮይኑ ኢሎም።

“ተሳተፍቲ ናብ ሓደ መርገፂ‘ዮም በፂሖም።ክልተ ነጥብታት‘ዮም ዘቃልሑ ዘለው።ቀዳማይ - ለገስቲ ቅድሚ ሎሚ ዝልግስዎ ንዝነበረ ገንዘብ ከቋርፅዎ የብሎምን ዝብል ክኸውን ከሎ፣እቲ ካልኣይ ይምዕብላ ዘለዋ ሃገራት‘ውን እንተኾና መጠን ዝምድበኦ ገንዘብ ክውስኻ ይኽእላ‘የን ዝብል‘ዩ።ክሳብ ሎሚ ፅቡቅ ውፅኢት ተመዝጊቡ‘ሎ።እዚ ውፅኢት‘ዚ ክዕቀብ‘ለዎ ዝብል ኣረዳድኣ ኣሎ” ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ።

ኩሎም ወገናት ተሓባቢሮም ንክሰርሑ መፀዋዕታ ይቃላሕ‘ሎ ዝበሉ ምንስትር ጥዕና ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ቅድም ኢሎም ዝተጠቅሱ ክልተ ነጥቢታት፣ኣዎንታዊ ውፅኢት‘ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ምኻኖምን ናብ ምርድዳእ ተበፂሑ‘ሎ ይብሉ።

ካብ ምጅማር‘ቲ ኣድማሳዊ ኣኼባ ክሳብ መዓልቲ መዛዘሚ፣ጉዳይ ፈንድ ቀዳማይ ስፍራ ሒዙ ከምዝዘለቀ ዝዛረቡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ካብ መደረ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆርጅ ቡሽን ዳይረክተር ፕሮግራም ኤይድስ ሕ/መ ሚሸል ስዲበ‘ውን እንተኾነ ዝተንፀባረቀ ነጥቢ ንሱ‘ዩ ይብሉ።ካብኡ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ክሳብ ሰላማዊ ሰልፊ‘ውን ተበፂሑ‘ዩ ኢሎም።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ መግለፂ ክወፅእ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ይብሉ ዶ/ር ቴድሮስ።

ኢትዮዽያ ኣብ ታሪኻ ክሳብ ክንዲ‘ዚ ዝኣክል ገዚፍ ኣኼባ ኣተኣናጊዳ ከምዘይትፈልጥን እዚ ንባዕሉ ዓብዪ ዓወት ምኻኑ ዝጠቀሱ ምንስትር ጥዕና ኢትዮዽያ።

ካልእ ሸቶ ዘቀመጥናዮ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ተሳተፍቲ ክንዕድም ኢና ዝብል‘ዩ ነይሩ ዝብሉ እቶም ምንስትር ”እዚ ሸቶ‘ዚ‘ውን ተዓዊቱ‘ሎ።10,361 ኣጋይሽ ተሳቲፎም‘ለው።እዚ ኣዝዩ ዓብዪ ዓወት‘ዩ።ኣብ ክልተ ስፍራ‘ዮም ተሳቲፎም።ኣብ‘ቲ ቀንዲ ኣኼባ 7,361 ክሳተፉ ከለው ኣብ ኮምኒቲ ቪለጅ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣኼባ ድማ 3 ሽሕ ሰባት‘ዮም” ኢሎም።

ብመንፅር ምልውዋጥ ተመክሮ፣እቲ 103 ሃገራት ዝተሳተፋሉ ኣድማሳዊ ጉባኤ ልዑል ረብሓ ከምዝተረኸበሉ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንቪኦኤ ጠቂሶም። ካብ‘ተን ሃገራት ተማሂርና ኢና።ንዘጥረናዮ‘ውን ኣካፊልና ኢና ኢሎም ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG