ኣልማዝ ኣያና ብሚእቲ ሜትሮ ንስዒባታ ዝነበረት መሪሓ ቀዳመይቲ፣ ሰንበሬ ተፈሪ ካልኣይቲ፣ ገንዘቤ ዲባባ ሳልሳይቲ ተማሪሐን ብምእታው ሜዳልያታት ወርቂ ብሩርን ነሓስን ተሸሊመን። ሃገረን ኣብ ሰደቃ ውፅኢት ምሕዩሽ ስፍራ ንክትረክብ'ውን ኣበርክቶ ነይሩወን።
ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ውድድራት ኣትለቲክስ ዓለም ደቂ-ተባዕትዮ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ትሑት ተሳትፎን ዳርጋ ኣልቦ ውፅኢትን ኮይኖም'ዮም ንዓዶም ዝምለሱ።
ኣብ'ቲ ኢትዮጵያ ትፍለጠሉ ርሕቀት 3፣5ን 10ን ሽሕ ከምኡውን ውድድራት ማራቶን ኣዕጋቢ ዘይባሃል ውፅኢት'ዮም ኣመዝጊቦም።
ንፈለማ ጊዜ ኣብ ውድድር ማራቶን ብደረጃ ዓለም ዝተወዳደረ ኤርትራዊ ወዲ 19 ዓመት ገ/ስላሴ ግርማይ ብ2፡1፡28 ከምዝተዓወተ ዝዝከር'ዩ።