ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዕዞ 10 ዓመት ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ኣፕል ኣይፎን (IPhone)


ብኣፕል ኣይ ፎን (Apple’s Iphone) ዝፍለጣ ተንቀሳቐስቲ ማለት ሞባይል ተለፎን ውጽኢት ናይ ኣፕል ዝተባህለ ግዙፍ ኣሜሪካዊ ኣፍራዪ ኤሌክትሮኒክስ ሎሚ ሓሙስ ሰነ 29 መበል ዓሰርተ ዓመተን መሊአን ኣለዋ።

ኣፕል ኣይ ፎን ካብ ዝመሃዘሉ ዕለት ኣትሒዙ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኣይ ፎናት ናብ ተጠቀመቲ ከምዝሸጠ ክሕበር እንከሎ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ መሸጣ ኣይ ፎን 24.3ቢልዮን ዶላር እቶት ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ኣብ 2007 ዓ.ም ፈለማ ናብ ዕዳጋ ዝቐረባ ኣይፎናት ዝተፈላለዩ ኣፕሊከሽን እተቐምጠሉ ቦታ ኣይነበረንን። ብድሕሪኡ ማለት ኣብ 2008 ዓ.ም ናብ ዕድጋ ዝቐረባ ኣይ ፎናት ግን ነዚ ናይ ኣፕሊከሽን እተቐምጠሉ ቦታ ኣማሊኤን ናብ ዕዳጋ ዝቐረባ ብምንባረን ነቲ ብብላክ በሪ (Black Berry)ዝተባህላ ተንቀሳቐስቲ ተለፎናት ተባሒቱ ዝነበረ ዕድጋ ብቐሊሉ ክቆጻጸርኦ ክኢለን።

ኣይፎን ንናይ ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ዕዳጋ ምቁጽጻሩ ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ዕዳጋ ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ሓደ ካብቶም ግኑናት ኣስማት ተንቀሳቐስቲ ቴሌፎናት ኮይኑ: ኣብ ምሉእ ዓለም ክዝርጋሕ በቒዑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG