ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኮንጎ ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው የጠንቅቑ


ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኮንጎ ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው የጠንቅቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:55 0:00

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኮንጎ ብዛዕባ ዘሎ ቅልውላው የጠንቅቑ

ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ሓዲሽ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይልዓል ትካላት ረድኤት ይሰግኡ ኣለዉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኤም-23 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ ሓዲሽ ግስጋሰ ኣበጊሱ፡ ንሓንቲ ዓባይ ከተማ በቲኹ፡ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ስእነት መግብን ሕክምናን ከየውድቖም ተሰጊኡ ብምህላው`ዩ።

ምብራቓዊ ኮንጎ ምስ ሩዋንዳ ዝዳውብ ኮይኑ ብማዕድን ሃብታም ምዃኑ ይፍለጥ። ንዓመታት ግጭት ዘይፍለዮ ከባቢ`ዩ፡ ካብ መንጎ`ቶም ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻር ዝንቀሳቐሱ ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት ሓደ ድማ ኤም-23 ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ሰራዊት ኮንጎ ዝተፈንጨለ ምዃኑ ይንገረሉ።

እዚ ጉጅለ`ዚ ለንቅነ ምስ ሰራዊት ኮንጎ ተጋጭዩ ኔሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብቲ ቦታ ተመዲቡ ዝነበረ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ክሳብ መወዳእታ`ዚ ዓመት ክወጽእ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን`ዩ። ኣብ መንጎ ኮንጎን ሩዋንዳን ውጥረት ክዓርግ ጀሚሩ`ሎ፡ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ዕጡቓት ብምሕጋዝ ይካሰሳ። ሩዋንዳ ብፍላይ ንዕጡቓት ኤም-23 ከም ትድግፎም`ያ ትኽሰስ።
እቶም ዕጡቓት ብዓሌት ቱትሲ ዝዕብለሉ ምዃኖም ይንገር፡ ሩዋንዳ ብወገና ኣይደገፍኩን እያ ትብል። እንተኾነ ለንቅነ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ወተሃደራትን ሚሳይላትን ከም ዘለዋ ብዘየወላውል መንገዲ ኣሚና`ላ፡ ዝሃበቶ ምኽንያት ድማ ሰራዊት ኮንጎ ኣብ ጥቓ `ቲ ዶብ ይተኣኻኸብ ስለዘሎ ንጸጥታይ ስግኣት ስለዝሓደረኒ`የ ዝብል`ዩ። ኣመሪካ ካብቲ ዶብ ክትስሕብ ንዘቕረበትላ ጻውዒት`ውን ነጺጋቶ`ላ።


ኣብዚ ሰሙን`ዚ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ዝበሎ ጎንጺ ኮኒንዎ`ሎ። ሓደ ጉጅለ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውን ኣስታት 1 ሚልየን ዝኾኑ ሰባት ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።


ምስቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት`ውን ይተኣሳሰር`ዩ። ሩዋንዳ፡ ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ዝተሳተፉን ሕጂ ምስ ሰራዊት ኮንጎ ዝሰርሑ ዘለዉን ብከፊል ዓሌት ሁቱ ዝኾኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ስለዘለዉ ካብኦም ዘለኒ ስግኣት`የ ዝከላኸል ዘለኹ በሃሊት`ያ። ድሕሪ`ቲ ናይ 1994 ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ሩዋንዳውያን ዓሌት ሁቱ ናብ ኮንጎ ሃዲሞም ዑቕባ ሓቲቶም`ዮም። ካብ መንጎኦም ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ዝተሳተፉ ከም ዘለዉዎም ክግለጽ ጸኒሑ `ዩ።

ክልተ ዓመት ድሕሪ`ቲ ምጽናት ዓሌት፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ንምብራቓዊ ኮንጎ ወሪረን ኔረን፡ ነቶም ዝተረፉ ፈጸምቲ ምጽናት ዓሌትንምምሓው፡ እቲ ወራር ሽዕኡ ንምዕላው ፕረዚደንት ሞቡቱ ሰሴ ሴኮ ኣስዒቡ።

ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዘሎ ህላወ ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት ምስ ዘይሕጋዊ ዕደና ማዕድን ምትእስሳር ከም ዘለዎ`ውን ይፍለጥ። እቲ ከባቢ ብማዕድን ወርቅን ካልእን ሃብታም`ዩ።

ሕጂ ኣብቲ ቦታ መጥቃዕትታቱ ኣሐይሉ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ኤም-23 ፡ነታ ካብ ከተማ ጎማ 27- ኪ.ሜ ርሒቓ ዘላ ሰይክ ትብሃል ኣገዳሲት ከተማ ከይቆጻጸራ ኣስጊኡ`ሎ። ካብ ጎማ እንተ ተበቲኻ ድማ ልዕሊ 2-ሚልየን መብዛሕቲኦም ተመዛበልቲ ሒዛ `ላ ትብሃል ከተማ ጎማ፡ ኣብ ሓደጋ ስእነት መግብን ሕክምናን ክትወድቕ ምዃና `ዮም ትካላት ረድኤት የጠንቅቑ ኣለዉ።

ኖርወጃዊ ትካል ረድኤትዕጡቓት ናብ ከተማ ሰይክ ምግስጋሶም ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዘሎ ስርዓት ረድኤት ብምልኡ ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ ዘእትዎ`ዩ ክኸውን ይብል። ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት `ኳ 135- ሺሕ ሰባት ተፈናቒሎም ኣለዉ።

እቲ ጎንጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪንሻን ጎማን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣበጊሱ ኣሎ። ተሰለፍቲ ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እቶም ኤም-23 ንድሕሪት ክምለሱ እኹል ኣይገበረን ኣንጻር ሩዋንዳ`ውን ተሪር መርገጽ ክሕዝ ኣይከኣለን ዝብል`ዩ።

እቲ ሓዲሽ ውግእ ናብ ካልእ ዞባዊ ውጥረት ዓሪጉ ካልኦት ተወሰኽቲ ሃገራት `ውን ክሳተፍኦ ከም ዝኽእላ`ውን ተሰጊኡ`ሎ። ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ 25-ዓመታት ካብ ኮንጎ ክወጽእ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ሓደ ካብ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ሓይሊ ክትካእ ኣብ መስርሕ ኣሎ፡ እዚ ሰራዊት ንደቡብ ኣፍሪቃ ማላውን ታንዛንያን ዝሓዘ ሓይሊ ኮይኑ ዕላምኡ ንሰራዊት ኮንጎ ንምድጋፍ`ዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ሩዋንዳ ኣብ ቀጥታዊ ረጽሚ ክኣቱ ዝገብሮ`ዩ፡ ምኽንያቱ ሩዋንዳ ነቶም ኣንጻር ኮንጎ ዝዋግኡ ዕጡቓት ስለ እትድግፎም።

ምብራቓዊ ኮንጎ ድሮ ካብ መንጎ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዎ ተባሂሉ ክጥቀስ ክኢሉ`ሎ። ብመሰረት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 6-ሚልየን ኣቐዲሞም ዝተፈናቐሉ ተመዛበልቲ ኣለውዎ፡። ብሰንኪ`ቲ ኣብ ውሽመጥ ቓዛን ዩክሬንን ዘሎ ኣድህቦ ዓለም ድማ እዚ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዘይምስትውዓል ክሓልፍ ይኽእል`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG