ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደገኛ ህቦብላ ኢርማ ንደሴታት ካሪባን ምህራሙ ተገሊጹ


ብሀሪኬን ኢርማ ዝጽዋዕ ብርቱዕ ህቦብላዊ ዝናብ ሓዘል ንፋስ ንናይ ካሪቢያን ደሴታት ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ምህራሙን ናብ ደሴታት ቨርጂን ይፅጋዕ ኣሎ።ደረጃ ሓሙሽተ ንፋስ ንህይወት ዘስግእ ህቦብላን ሓደገኛ ውሕጅን ኣስዒቡ’ሎ።

ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ማእኸል ሀረኬን ናይቲ መቕዘፍቲ ከውርድ ተኽእሎ ኣለዎም ዝተብሃለሉ ሓያል ህቦብላዊ ንፋስ ሓዘል ዝናብ ማእኸል ስሕበቱ ኣብ ሰዓት 295 ኪሎ ሜትር ዝውንጨፍ ንፋስ ንሴይንት ማሪቲንን ኣንጉሊያን ከምዝሃረመ ተገሊፁ’ሎ።

ኢርማ ሎሚ ረቡዕ ለይቲ ብፐርቶ ሪኮ ሓሊፉ፣ፅባሕ ሓሙስ ንወሰናት ማይ ዶሚኪካ ሪፓብሊካ፣ቱርክስ፣ቻይኮስ ደሴታትን ደቡባዊ ምብራቕ ብሃማስን ከምዝወቅዕ ተተንቢዩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG