ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ሀሪኬን ኢርማ 10 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ማእኸል ሀሪኬን ኢርማ ንመብዛሕትኡ ምብራቓዊ ክፋል ኩባ ይሃርም ከምዘሎን ንገለ ኽፋላት ባሃምስን ሰሜናዊ ኩባን ሎሚ ዓርቢ ምሸት ክሃርም ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበር ምህላው ገሊጹ።

ህቦብላ ኢርማ ካብ ደረጃ ሓሙሽተ ናብ ደረጃ ኣርባዕተ ህቦብላዊ ዝናብ ሓዘል ንፋስ ዝወረደ እንተኾነ እውን ሕዚ እውን ዘውርዶ ጥፍኣት ዝለዓለ እዩ።እቲ ማዕበል ኣብተን ዝቕፅላ ክልተ መዓልታት ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ እናገስገሰ ሒዝዎ ዘሎ ሓይሉ ከምዝመፅእ ክኢላታት ትንበያ ኩነታት ኣየር ይገልፁ።

ሀሪኬን ኢርማ ኣብ ኣትላንቲክ ካብ ዝተመዝገቡ ህቦብላታት እቲ ዝሓየለ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ ክብሉ ክኢላታት ፀዊዖምዎ ኣለው።ዛጊድ ኣብ ካሪቢያን ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG