ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ሓደጋ ብርቱዕ ህቦብላ ኣንፀላልዩዎ’ሎ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰበስልጣን ሜትሮሎጂ ሃርቪ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሓይል ህቦቡላዊ ዝናብ ሎማዕንቲ ዓርቢ ለይቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ብብርቱዕ ከምዝወድቕ የጠንቅቑ ኣለው።ድሮ ኣብ ስዓት 177 ኪሎ ሜትር ይውንጨፍ ከምዘሎን ናብ ልዕሊ 200 ኪሎ ሜትር ከምዝውስኽን ኣብ ወሰናት ማይ 600 ኪሎ ሜትር ስፍሓት ከምዝሽፍንን ትፅቢት ይግበር።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፌደራል ኤጀንሲ ኣተሓሕዛ ህፁፅ ኩነታት ‘’ኣዚዩ ዓብዪ ሓደጋ’’ ንቴክሳስ ከጥቕዓ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG