ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቦብላ ፊዮና ናብ ደረጃ 4 ብምድያብ ናብ በርሙዳ የቕንዕ ምህላው ተገሊጹ


ፖርተሪኮ
ፖርተሪኮ

ሀሪከን ፊዮና ሓይሉ ወሲኹ ናብ ምድብ 4 ምድያቡ ክኢላታት ትንበያ ኩነታት ኣየር የጠንቅቑ ኣለዉ።እዚ ዝግለጽ ዘሎ ፍዮና ንደሴታት ተርክን ቻይኮስን ድሕሪ ምብትታን ናብ በርሙዳ ገጹ ኣብ ዘቕንዓሉ ዘሎ እዋን`ዩ።

ደረጃ ሓይሊ ሀሪከይን ማለት መሸንበባ ማይ ካብ 1 ክሳብ 5 ኣብ ዘሎ ደረጃ ዝምደብ ኮይኑ፡ 5 እቲ ኣዝዩ ዝሓየለ መሸንበባ ማይ ምዃኑ`ዩ።

ሰበ-ስልጣን`ተን ኣብ ካሪብያን ዘለዋ ደሴታት ሰባት ካብ ከባቢ ውሕጅ ክእለዩ ብምጽዋዕ ሕላፍ ሰዓት`ውን ኣዊጆም ኣለዉ።

ገዛኢ ፖርተሪኮ ፐድሮ ፒርሉሲ ነቲ ብሰንኪ ፍዮና ዝወረደ ጉድኣት “ጥፍኣት” ክብል ገሊጽዎ`ሎ። ፊዮና ንቀንዲ መሬት ኣመሪካ ከስግእ ትጽቢት ኣይግበርን።

XS
SM
MD
LG