ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቦቡላዊ ንፋስ ጆኣኲን ንማእኸላይ ብሃማስ የጥቅእ


ከቢድ ዝናብን ሓያል ንፋስን ማዕበልን ዝሓዘለ ህቦቡላዊ ንፋስ ጆኣኲን ሎሚ መዓልቲ ንማእኸላይ ብሃማስ የጥቅእ'ሎ።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሃገራዊ ማእኸል ሄሪኬን እቲ ህቦብላዊ ንፋስ ንምብራቓዊ ዩናይትድስ ዝጥቅዕ ኣይመስልን ኢሉም አለዉ።

ካብ ሓሙሽተ ደረጃ 4ይ ዝተመደበ እዚ ሓደገኛ ህቦቡላ ብዙሕ ህዝቢ ኣብዘይነብረሉ ክፋል ብሃማሳ ውሑጅ ኣስዒቡ’ሎ።

ህቦቡላ ጆኣኲን ናብ ወሰን ኣትላንቲክ ውቂያኖስ ይምጻእ ኣይምጻእ ብዘይገድስ ሓሙሽተ ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ኒው ጀርሲ፣ቨርጂኒያ፣ኖርዝ ካሮሊና፣ደቡብ ካሮሊናን ሜሪላንድን ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG