ዋሽንግተን —
ክፍለ ግዝኣታት ፍሎሪዳ፣ ኖርዝ ካሮላይናን ጆርጂያን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ዝቐተለን ብዓሰርተታት ቢሊዮናት ዶላር ዝግመት ንብረታት ዘዕነወን ክልተ ዓበይቲ ህቦቡላ ካብ ዘስዓቦ በሰላ ንምሕዋይ ጻዕርታት የካይዳ ኣለዋ። ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክካየድ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተረፈሉን እቲ ውድድር ኣዝዩ ተቐራራቢ ይኸውን ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ብህቦቡላ ሀሊን ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ድማ ብህቦቡላ ሚልተን ብከቢድ ዝተጎድኣ ክፍለ ግእዝታት ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብቲ ዝነበሮ ብምምላስን ፍርስራሳት ብምልዓልን ናብ ንቡር ንምምላስ ይፅዕራ ኣለዋ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መጀመርታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ብምብፃሕ ሰባት ንክተሓባበሩ ኣተባቢዖም።
ቅጥዒ