ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝሰገረ ህቦብላ ንኣስታት 2-ሚልዮን ሰባት ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምትራፉ ተገሊጹ


ሄሪከይን ኢን ዝተሰምየ ብርቱዕ ንፋስ ሓዘል ህቦብላ ዝናብ ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝሰገረሉ ዳርጋ 2-ሚልዮን ሰባት ብዘይ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተሪፎም'ለዉ። ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ጻዕርታት ንምሕያል ይዳለዉ ከምዘለዉ ተገሊጹ'ሎ።

ተንበይቲ ኩነታት አየር ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ንፋስ ሓዘል ዝናብ ኣብ ማእኸላይ ክፍሊ እታ ግዝኣት ዝተመዝገበ ዝለዓለ ውሕጅ ናብ ሰሜናዊ ምብራቅ እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ክጽንበር'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣለዎም።

ብድሕሪኡ እዚ ብርቱዕ ንፋስ ሓዘል ህቦብላ ዝናብ ሄሪከይን ኢን ንደቡባዊ ምብራቅ ክፍላተ ግዝኣት ኣመሪካ ክወቅዕ እዩ ዝብል ትንቢት ኣሎ።

እዚ ብርቱዕ ንፋስ ሓዘል ዝናብ ሎሚ ሓሙስ እናደኸመ ክኸይድ እዩ ዝብል ትጽቢት እንተሎ'እዃ እንደገና ጽባሕ ዓርቢ ሓይሉ ናብ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ካሮላይና ክኸይድ እዩ። ተንበይቲ ከምዝብልዎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ፍሎሪዳ ወሰናስን ማያት ጆርጅያን ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ካሮላይናን ካብ 10-20 ሴንቲ ሜትር ዝናብ ክወቅዕ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት'ዉን ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን
ይኽእል እዩ።

እዚ ብርቱዕ ንፋስ ሓዘል መሸንቦባ ዝናብ ሓሙስ ኣብ ሰዓት ኣስታት 100 ኪሎ ሜትር ዝሕምበብ እዩ።

XS
SM
MD
LG