ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀሪከይን ኢያን ዝተሰምየ መሸንበባ ማይ ንክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዋ`ሎ


ሀሪከይን ኢያን ዝተሰምየ መሸንበባ ማይ ንክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዋ`ሎ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብፍላይ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ፍሎሪዳ ዘለዉ ሰባት ካብ ገዝኦም ክርሕቑ ተኣዚዞም ኣለዉ።

ገዛኢ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ ብብርታዔኡ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ሀሪከይን ኢያን ኣብ ወሰን ወሽመጥ ባሕሪ መክሲኮ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ሓደገኛ ውሕጅን ህይወት ዘስግእ መሸንበባን ከስዕብ ይኽእል`ዩ ክብል የጠንቅቕ ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ ኮይኑ ዘሎ ድማ ካብ ከተማ ነይፕልስ ክሳብ ሳራሶታ ኣብ ዝዝርጋሕ ዘሎ ቦታ`ዩ።

ካብ ታምፓ ውጽእ ኣብ ዝበለ ዓበይቲ ጎደናታት መካይን ተሰሪዐን ይርኣያ`ለዋ፡ እቲ ሓደገኛ መሸንበባ ሎሚ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ወይ ምሸት ብእኡ ክሓልፍ ትጽቢት ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን`ውን ነታ ግዝኣት ንምሕጋዝ ተወሳኺ ገንዘብ ክምደብ ንፍሎሪዳ ህጹጽ ሓደጋ ኣዊጁ`ሎ።

XS
SM
MD
LG