ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሕጅን ህቦብላን ኣብ ዘጋጠማ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ እቲ ኩነታት ኣየር ቀጻሊ’ዩ ተባሂሉ


ሃርቪ ብዝብል ሽም ዝተፀውዐ ሓያል ህቦብላዊ ዝናብ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ሁስተንን ክፋል ክፍለ ግዝኣት ሊዊዚያናን ከቢድ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣስዒቡ’ሎ።

ዝበዝሕ ክፋል ከተማ ሁስተንን ዝዓበየ ክፋላት ደቡባዊ ምብራቕ ቴክሳስን ብውሕጅ ኣዕለቕሊቑ’ሎ።

ከባቢታት ሁስተን ሎሚ ሶኑይ እውን ካብዚ ታሪኻዊ ዝናብ ዕረፍቲ ኣይረኸቡን ጥራሕ ከይኮነስ ንሓያሎ መዓልታት ክቕፅል እውን ትፅቢት ይግበር።ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ወለንተኛታትን ናይ ውልቆም ጀልባታት ገይሮም በዚ ከቢድ ውሕጅ ናብ ዝተኸበቡ ንምብፃሕ ይፍትኑ አለው።ካብቶም ወለንተኛታት ሓደ ክሊንት ዊንጋር ከምዚ ይብል።

“መውፅኢ ስኢኖም ኣብ መንበሪ ገዛውቶም ዝተቐርቀሩ ገለ ሰባት ንምድሓን እየ ፈቲነ።”

እቲ ከባቢ ካብ 60 ሴንቲሜትር ንላዕሊ ዝናብ ረኺቡ’ሎ።ክሊንት ዊንጋር እውን ንመጠን ዝናብ ከምዚ ይገልፆ።

“ንዝረኸብካዮ ሰብ ክተድሕን ኣለካ።መጠን ማይ ካብ ልክዕ ንላዕሊ እዩ።ህፁፅ ሓገዝ ንምሃብ ቀዲሞም ንዝመፅኡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ስለዝኾነ ንሳቶም እውን ሓገዝ የድልዮም እዩ።”

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብሄልኮፕተራት፣ጀልባታትን ብእግሮምን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ናይ ምድሓን ስራሓት የካይዱ ኣለው።ወለንተኛታት ምስ ፖሊስ፣ሰራሕተኛታት ሓደጋን ሕክምና ከምኡ እውን ምስ 3,000 ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለው።

ዝሓለፈ ዓርቢ ለይቲ ዘጋጠመ ህቦብላ ሃርቪ /Hurricane Harvey/ ከቢድ ዝናብ ብምስዓብ ሎሚ ለይቲ እውን ኣብ ከባቢ ሁስተን ክሳብ 25 ሰንቲሜትር ዝኸውን ዝናብ ክወቅዕ ትፅቢት ይግበር።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ፅባሕ ሶሉስ ሓደጋ ናብዝወረዶ ከባቢ ከምዝጉዓዙ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ገሊፆም ኣለው።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ምስ ኣባላት ካብኒኦም ምዝታዮምን ኩሎም ትካላት ፌደራል ንሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስን ጎረቤታ ሊዊዚያናን ብምሉእ ዓቕሞም ክሕግዙዎም ትፅቢት ከምዝገብሩን ዋይት ሃውስ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG