ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ኤፌኮ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ደው ከምዘበሉ ተገሊጹ


ኩነታት ማእሰርቲ መራሕቲ ፌደራሊስት ኮንግርስ ኦሮሞ(ኦፌኮ) ብመጠኑ ብምምሕያሹ ብምግላጽ ንሓሙሽተ መዓልታት ዘካየድዎ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ደው ከምዘበሉ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተታሒዞም ኣበይ ከምዝኣተው ከምዘይፍለጥ ምኽትል ኣቦ መንበር ኤፌኮ ገሊጾም።ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኦሮሚያ ሓበሬታ ኣይተረኽበን።

ምኽትል ኣቦ-መንበር ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ(ኦፌኮ) ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቡዎም ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣብ ማእኸላይ ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ክሳብ ትማሊ ሰንበት ንሓሙሽተ መዓልታት ናይ መግቢ ምሕሳብ ኣድማ ብምክያዶም ከቢድ ምዝባዕ ጥዕና ከምዘጋጠሞም ይገልጹ።

ናይ ቦታ ምጽባብ ስለዘሎ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ንእሽተይ ክፍሊ ኣስታት 30 ሰባት ተኣሲሮም ኩሉ ኣቑሑቶም ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ከምዝቕመጥ፣ናይ ሰብ ሃፋ እውን ኣሎ።ኣብ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ተጻቢቦም ይነብሩ ነይሮም።በሰንኪ እዚ ድማ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ምኽያዶምን ከም ውጽኢቱ ሓሚሞም ኣብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት እዮም ነይሮም ኢሎም።

ናይቶም እሱራት ኣተሓሕዛ ቅሩብ ስለዝተመሓየሸ ነቲ ኣድማ ደው ኣቢሎምዎ ‘ውን ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓዲሽ ዘመተ ተጀሚሩ’ሎ ኢሎም ኣቶ ሙላቱ። ኣብ ምዕራብ ወለጋ ከተማ ግንቢ ኣብ ሓደ ለይቲ 60 ሰባት ከምዝተወስዱን ኣበይ ከምዝኣተው ከምዘይፍለጥን ገሊጾም።

ብተወሳኺ ኣቶ ሙላቱ ከምዚ ኢሎም።

‘ካብ ወረዳታት ሆሮጉድሩ 39 ሰባት፣ካብ ቀለም ወለጋ 54 ሰባት፣ካብ ኣምቦ 103 ሰባት፣ምዕራብ ሃረርጌ ካብ 800 ክሳብ ሓድ ሽሕ ሰባት፣ካብ ሻሸመኔን ሽውዓተ ወረዳታትን ምዕራብ ኣሩሲ ኣስታት 1,200 ሰባት፣ካብ ጉጂ 150 ሰባት ተወሲዶም ኣለው።ኣበይ ከምዝርከቡ ኣይፍለጥን።ኣበይ ከምዝተኣሰሩ መንግስቲ ናይ ምዝራብ ግዴታ ኣለዎ።’

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይፍጸም ኣሎ ብዛዕባ ዝተብሃለ ማእሰርቲ ንምጽራይ ናብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ብምድዋል ዝተካየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቲ ኤፌኮ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ደው ከምዘበሉ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00

XS
SM
MD
LG