ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ 47 ውልቀሰባት መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ አካይዶም


ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ምሁራን፡ ሰብሞያ ሚድያን ካልኦትን ዝርከብዎም 47 "ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ቐይዲ ንርከብ" ዝበሉ ውልቀሰባት ሎሚ ንሳልሳይ መዓልቲ መግቢ ናይ ምሕሳም አድማ ምክያዶም ጠበቓ ሰለሞን ገዛሃኝ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ኣቶ ሰለሞን እቶም እሱራት ነቲ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ሎሚ ከምዘብቕዑ'ውን ገሊጾም ኣለው።

እቶም ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ ሰባት "ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ መጥቃዕቲ ንምክያድ፡ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ፈደራል መንግስቲ ንምፍጻምን ክልል ኣምሓራ ንምቁጽጻርን ሰሪሖም" ብዝብሉ ክስታት ዝተኣሰሩ ክኾኑ ከለው እሱራት ድማ ነቲ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ዝጀመርሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስ እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር፣ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ይፍጸም ኣሎ ንዝብልዎ ማእሰርቲ ደው ንክብል ንምሕታት’ዩ ይብሉ።

ፈደራል ፖሊስ ግን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዘየለን መግቢ ናብ’ቶም እሱራት ይቀርበሎም ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ገለ ካብቶም ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ ውልቀሰባት ዶ/ር ወንደሰን ኣሰፋ፡ ፕሮ.ሲሳይ ኣውግቸው፡ ፕሮ.ማዕረጉ ቢያበይን፡ ዶ/ር መሰረት ወርቁ፡ ተስፋዬ ወ/ማርያም፡ መስከረም ኣበራን ይርከብዎም። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ እዞም ውልቀሰባት 3-4 ጊዜ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምንባሮም'ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG