ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ብሰንኪ ጥምየት 4 ሰባት ምሟቶም ዩኒቨርስቲ ደባርቅ ሓቢሩ


ከተማ ጎንደር - ፋይል
ከተማ ጎንደር - ፋይል

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዘጋጠመ ደርቂ ስዒቡ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ዩኒቨርስቲ ደባርቅ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ወረዳታት ጃን ኣሞራን የዳ ጠልምትን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣካይደዮ ብዝበሎ መፅናዕቲ ምስ ደርቂ ብዝተኣሳሰረ ቅድሚ ሓደ ወርሒ 32 ሰባት ምሟቶም ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ከምዝተገለፀ ብምዝኽኻር ብዝሒ መወቲ ናብ 36 ደይቡ ኣሎ ክብል ናይቲ ዩኒቨርስቲ መምህርን መራሒ ጉጅለ ናይቲ መፅናዕትን ፕሮፌሰር ኣምሳሉ ኣበጀ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ።

ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ካብ ዝርከቡ 37 ከባቢታት ልዕሊ 72-ሽሕ እንስሳት እውን ከም ዝሞታ እቲ መፅናዕቲ ሓቢሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ(ኦቻ) ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፀገም ውሕስነት ካብ ዘለዎም 2.8 ሚሊዮን ሰባት ናይ መንግስቲ ምላሽ ዝረኸቡ 25 ሚእትዊት ጥራሕ እዩ ክብል ሓቢሩ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG