ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃንጋሪ ንዩክሬን ዝወሃብ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ትቃወም


ሕብረት ኣውሮጳ: ዩክሬን ኣባል'ቲ ሕብረት እትኾነሉ መስርሕ ንምዝታይ ሓሙስ ትማሊ ድሕሪ ምስምምዑ ሎሚ ዓርቢ 15 ታሕሳስ 2023 ሃንጋሪ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ንዩክሬን ዝህቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ተቃዊማቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰሎም ተጠቂሞም ነቲ ሓገዝ ክዓግትዎ ከለዉ ፕረዚደንት ቤትምኽሪ ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ግን ካብ 27 ኣባል ሃገራት እተን 26 እቲ ዩክሬን ንሩስያ ንምምካት ብህፁፅ ዘድልያ 44 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክወሃባ ምስምማዐን ገሊፆም።

ንሶም ወሲኾም ስዊድን ብዛዕባ እቲ ሓገዝ ምስ ባይቶኣ ክትመክር ምዃና እንተሓበረት እኳ ንሱ ግን ልሙድ ኣሰራርሓ ስዊድን ምኳኑ ሓቢሮም። ብዛዕባ እቲ ንዩክሬን ዝስላዕ ባጀት ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ዝምልከት ድማ ኣብ መጀመርታ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሓደ መረዳእታ ከምዝብጻሕ ሓቢሮም።።

መራሒ ሃንጋሪ ኣብቲ ምስ ዩክሬን ዝግበር ውዕላት የተዓናቅፉ እኳ እንተሃለው ከም መግለፂ ሚሸል ግን "እዚ ታሪኻዊ ህሞት ታሪኻዊ ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ እዩ" ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ዩክሬን ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምፅምባር ዝግበር ምንቅስቃስ ከምዝቃወምዎ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምቕዋም መሰሎም ከምዝጥቀሙ'ውን ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።

ይኹን ድኣ'ምበር ኣብ መወዳእታ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ዩክሬን ናብቲ ሕብረት ናይ ምፅምባር ድምፂ ነቲ ናይ ቬቶ መሰሎም ከይተጠቀሙ እተን 26 ሃገራት ክውስና ነቲ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ገዲፎም ወጺኦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጂየም ኣሌክሳንደር ዲ ክሮ ኦርባን “ካብ ስነ ምግባር ወፃኢ ምዃኑ ስለዝተረድኡ” ነቲ ናይ ቬቶ ድምፆም ክጥቀምሉ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ቮሎድምየር ዘለንስኪ ድሕሪ እቲ ዩክሬን ንኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ ዝግበር ልዝብ ምስተሰምዐ “ንዩክሬን ዓወት እዩ። ዓወት ንሙሉእ ኣውሮጳ” ክብሉ ገሊፆም።


ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG