ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልሰተኛታት ዶብ ስጳኛ ሰጊሮም ንምእታው ፈቲኖም


ብውሑዱ 800 ዝኾነ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፍልሰተኛታት ኣብ መንጎ ሞሮኮን ኣብ ወሰናስን ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ትርኸብ ከተማ ስጳኛ ሱዩታ ንዘሎ ናይ ዶብ ሓጹር ደፊኦም ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ ምስ ፖሊስ ምግጫዎምን ኣብቲ ግጭት ሓሙሽተ ስጳኛዊያን 50 ሞሮክያዊያን ፖሊስ ከምዝቆሰሉ ተገሊጹ።

እቲ ጎንጺ ምስቶም ኣእማንን ሓጻውንን ብምሃዝ ነቲ ሓጹር ክሰብሩ ዝፈተኑ ፍልሰተኛታት ዝተኻየደ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ሱዩታን ማሊላን ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ዝርኸባ ግዝኣታት ስጳኛ ካብተን ፍልሰተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝጥቀሙለን ቦታታት ምዃነን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG