ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሃንደበት ፈተሻ ሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን ኣሜሪካ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዘይህጋዊያን ነበርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ


ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ብሃንደበት ዘኻየድዎ ፈተሻ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዘይሕጋዊያን ነበርቲ ምሓዞም ተፈሊጡ።ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ ኣብ ገበናት ዝተዋፈሩ እዮም ክብሉ ከለው ብዙሓት ግን ተቓውምኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

እቲ ናይ ገዛውቲ ፈተሻ ኣብ ከተማታት ኣትላንታ፣ቺካጎ፣ኒውዮርክን ሎስ ኣንጀለስን ሓዊሱ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ግዝኣታት ዝተኻየደ ኮይኑ ልዕሊ 160 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው።

ኣማኻሪ ፖሊሲ ዋይት ሃውስ ስቴፈን ሚለር እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሸፋቱ፣ነጋዶ ሓሺሽን ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙን ዘተኮረ እዩ ክብሉ ንኤቢሲ ቴሌቪዥን ገሊፆም።

ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን እቲ ምእሳር ስደተኛታት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሩ 11 ሚሊዮን ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንምብራር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመ ትእዛዝ ርክብ የብሉን የግዳስ ቅድሚ ሎሚ ይፍፀም ዝነበረ ንገበነኛታት ናይ ምሓዝ ልሙድ ተግባር እዩ ይብሉ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ ሰንበት ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ‘’ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ዝኣተኹዎ ቃል እየ ዝፍፀም ዘለኹ’’ ኢሎም ኣለው።

ነቲ ማእሰርቲ ብምቅዋም 100 ሽሕ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝነብሩላ ኣብ ከተማ ኦስቲን ቴክሳስ ሓዊሱ ኣብ ሚኒያፖሊስ፣ሚኒሶታ፣ኒውዮርክ፣ሎስ ኣንጀለስን ዋሽንግተንን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ሰልፍታት ተኻይዶም ኣለው።

ሕጋዊ ሰነድ ዘይብላ 36 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓዳሉፔ ጋሪሲያ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ከተማ ፊኒክስ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኢሚግሬሽን ከምልሙድ ቅልቅል ኣብዝበለትሉ እዋን ኣብቁፅፅር ውዕላ።

ሽዑ ንሽዑ መስርሕ ምብራር ተሳሊጡ ሓሙስ ተባሪራ።ጋሪሲያ ንልዕሊ 22 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረት እያ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG