ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፤ ካብ እስራኤል ዝነቐሉ ተጓዓዝቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ገጢሙዎም


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሩስያውያን ንሰማዊ ዓሌት ዘነኣእስ ጭርሖታት ብምስማዕ፡ ካብ እስራኤል ንዝነቐለት ነፋሪት ከጥቕዑ ተራእዮም። ማዕከናት ዜና ሩስያ ከም ዝጸብጸብኦን ኣብ በበይኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ከም ዝተራእየን፡ እቲ ፍጻመ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማኻሽካ፡ ዞባ ደገስቶን ከምዘጋጠመ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንምጭታት ሕክምና እቲ ዞባ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ 20 ዜጋታት ቆሲሎም ኣለዉ። ክልተ ካብኦም ብኸቢድ ምህራሞም እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ዞባ ሩስያ መብዛሕትኦም ኣመንቲ እስልምና ዝነብሩዎ’ዩ።

እቶም ባንዴራ ፍልስጤም ሒዞም፡ ዝተቐረቡ ኣጥቃዕቲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ብምቕራብ ፓስፖርት እስራኤል ንዘለዎም ተጓዓዝቲ ፈልዮም ከም ዘጥቅዑ ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ናታያሁ፡ ሩስያ ውሕስነት ኣይሁድን ዜጋታት እስራኤልን ከተኽብርን ክትሕሉን ጸዊዑ ኣሎ።

ሰብ-መዚ ሩስያ ድማ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ተሓጊዞም ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክረኽቡዎምን ዘድሊ ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስዱሎምን ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ’ውን ንኣብ ቓዛ ዘለው ፍልስጤማውያን ዘለዎ ድጋፍ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ግን ካብ ናዕቢን መጥቃዕቲን ክቝጠብ ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG