ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍልሰት ኣማእቲ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ


ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ናይ ምብራርን ካልኦት በደላትን ብዝገደደ ከምዝቐፀለ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ከምዝርከቡ ተመዛበልትን ግዚያዊ ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ገሊፆም።ኣብታ ከተማ ልዕሊ 345,000 ተመዛበልቲ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ፈቐዶ እግሪ ፅላል ኣእዋም ከይተረፈ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡን ቪኦኤ ዘዘራርቦም ተመዛበልቲ ሓቢሮም።

ብኻሊእ ወገን ካብ ማይ ካድራን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ንብረቶም ተዘሪፎም ከምዝተባረሩን እቲ ምብራር ብዝገደደ ከምዝቐፀለን ተባሪርና ዝበሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።ምስ ካልኦት 93 ሰባት ብፅዕነት ካብ ማይካድራ ናብ ተከዘ ከምዝተባረረት ዝገለፀት ኣደ ቆልዑት ኣብ ተከዘ ሓሙሽተ ወታደራት ኤርትራ ከምዝደፈሩዋ፣ናይ ማህፀን ምግልባጥ ከምዘጋጠማን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምእትርከብን ትገልፅ።

ኣቶ ብርሃነ ንርአ ይብሃሉ።ወዲ 65 ዓምተን ኣቦ ሸሞንተ ቆልዑትን መራሒ ዓሰርተ ኣባላት ስድራን እዮም።ካብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ጥቓ ከተማ ሑመራ ካብ ዝርከብ መንበሪኦም ‘’ተባሪሮም’’ ናብ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝመፁ ሓደ ሰሙን ኮይኑዎም ኣሎ።

ተወለድቲ ትግራይ ንዝኾንና ነበርቲ እዚ መሬት ናይ ወልቃይት ኣምሓራ መሬት እዩ እናበሉ መሬትና፣እኽልናን እንስሳትናን ተዘሚትና ተደፊኢና ኢና ወፂና ይብሉ።

መን ከምዝዘረፎምን ዝተዘረፉዎ ንብረትን ብዝምልከት ከምዚ ክብሉ ይገልፁ ኣቶ ብርሃነ።

ኣቶ ብርሃነ ንርአ ካብኦም ቀዲሞም ናብ ሽረ እናዳስለሰ ዝመፁ ተመዛበልቲ ፈቖዶ ኣብያተ ትምህርትን ማይዳን ከምዝርከቡ፣ካብ ምምዝጋብ ወፃኢ ረድኤት ክወሃብ ከምዘይርኣዩን ካብ መንግስቲ ዝረኸቡዎ ሓገዝ ከምዘየለን ይገልፁ።ሰባት ኣብ ዝለዓለ ጭንቅን ፀገምን ከምዝርከቡ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣቶ ብርሃነ ካብ ሑመራ ክሃድሙ ከለው ፈቖዶ መንገዲ ናይ ሰብ ሬሳታት እናርኣዩ ከምዝመፁን ንሶም ዝፈልጡዎም ገባራት ከም እኒ ገብረመድህን ዝተብሃሉ ምስ ሰብኣይ ጓሎም ከፍቶም ሒዞም ይሃድሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብወታደራት ኢትዮጵያ ከምዝተቐተሉ ገሊፆም።

እቲ ህዝቢ ኣጆኻ በሃሊ የብሉን ዝመፅእ ረድኤት ንህዝቢ ኣይወሃብን ዘሎ ኣበይ ከምዝኣቲ እውን ኣይንፈልጥን ይብሉ ኣቶ ብርሃነ።እቲ ተመዛባሊ ካብ ህዝቢ እንዳስላሰ እናተዋፅአ ዝወሃቦ ሓገዝ እምበር ዝብላዕ፣ዝስተይን ዝድቅሰሉን የብሎምን ኢሎም።

ህዝቢ ምዕራብ ንቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ህድማን ጉዕዞን እዩ ዘሎ ዝበሉ ኣቶ ብርሃነ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብበዝሒ ህዝቢ ዓለቕለቕ ኢላ ኢሎም።

12 ታሕሳስ 2013 ዓ\ም ካብ እትነብረሉ ማይ ካድራ ብዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝተባረረት ትገልፅ ሰናይት ንጉሰ ዝተብሃለት ኣደ።ብዓል ቤታ ኣብ ማይ ካድራ ብዝተፈጥረ ህወከት ብህወይት ይሃሊ ኣይሃሊ ከምዘይትፈልጥን ደቃ ሒዛ ሃዲማ ከምዝወፀትን ትዛረብ።

ዕጡቓት ወልቃይትን ኣምሓራን 93 ተወለድቲ ትግራይ ብሲኖ ትራክ ፅዕነት ኣብ ተከዘ ኣስጊሮም ከም ዝደርበዩዎም ትገልፅ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ንክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈሩወንን ሳልሳሰይቲ ግን HIV ኣለኒ ስለዝበለት ከምዝሰደዱዋ ሰናይት ትገልፅ።

ብዛዕባ ዝወረዳ ኣካላዊ ጉድኣት ክትገልፅ ከላ ኣብ እንዳስላሰ ቀይሕ መስቀል ሕክምና ከምዝገበረላ ትገልፅ።

ኣብ ማህፀና ብዝወረዳ ጉድኣት ኮፍ ክትብል ከምዘይትኽእልን ማይ ከምዘይትሰትን ብምግላፅ ጠጠው ብምባል ብምምብርካክን ግዚኣ ከም እተሕልፍን ከምዘይትድቅስን ትዛረብ።

ዋላ ሓደ ነገር ዘይብሎም ፈቖዶ ኣብያተ ትምህርትን፣ ህፃናት ዝሓዛ፣ፈቖዶ ዝወልዳ ኣዴታት ኣለዋ፤ሎማዕንቲ ዝወለዳ ኣዴታት ኣለዋ ትብል።ዝተጨነቐ ሰብ ኢኻ ትሪኢ፤ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ ትግራዋይ ኣዚዩ የሕዝን’’ ክትብል ትገልፅ።

ክሳብ ሎሚ ብዘይካ መንፀፊ ካሊእ ዝረኸበቶ ረድኤት ከምዘየለ ትዛረብ ሰናይት።መሬትኩም ኣይኮነን ይብሉና ትብል።

ሰናይት ንማሕበረሰብ ዓለም መልእኽቲ ኣለዋ።’'መከራ ወሪዱና ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኣዕቒብና ንርከብ።ኣዚዩ ብዙሓት ኢና።ዝወረደና ጉድኣት ንምቁፅፃር ዓቕሚ ዝስኣንና ብዙሓት ኢና።መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን ጠመተ ሂቦም ክሕግዙና ንሓትት ኣለና’’ ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።

ካሊእቲ ካብ ሑመራ ሃዲማ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ እትርከብ ጓል 30 ዓመት መንእሰይ ሳራ ኪዳነማሪያም ትብሃል።ንሳ ከተማ ሑመራ በከቢድ ብረት ክትድብደብ ከላ ክልተ ማናቱ ህፃናት ሓዊሱ ሰለስተ ደቃ ሒዛ ሃዲማ ድሕሪ ሰለስተ ማዕልታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ከምዝበፅሐትን ብዓል ቤታ ግን ኣበይ ከምዝኣተወ ከምዘይፈለጠትን ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ግን ናብ ሱዳን ሃዲሙ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሓምዳይት ከምዘሎን ብስልኪ ከምዝራኸቡን ትዛረብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዘለው ተመዛበልቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ክትብል ትገልፅ።

‘’ሰባት ዝድቅስሉ የብሎምን፣ቆፅሊ ባህርዛፍ ኣንፂፈን ዝድቅሳ ኣሓትናን ኣዴታትን እየን ዘለዋ።ህፃናት ሒዘን ዝብላዕ የብለንን።ሓደ ሓደ ግዜ ገንዘብ ለሚነ ንሓራሳት ይሕግዘን እየ’’ትብል።

ሳራ ሽረ እንዳስላሰ ምስኣተወት ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ሓይልታትን ሰራዊት ኤርትራን ነታ ከተማ ንምቁፅፃር ከቢድ ብረት ክትኩሱ ከለው ናብ እንዳባጉና ቀፂሉ ድማ ናብ ደብረ አባይ ሃዲሞም ብንጣር ከቢድ ብረት ጡባ ቆሲላ ከምዝነበረት ትገልፅ።

ኣብ ደብረ ኣባይ ዘስካሕክሕ ቅትለት ከምዝርኣየት ትዝረብ።ምስኣ ካብ ሑመራ ዝሃደሙ ክልተ ሰባትን ሰለስተ ዘይትፈልጦም ሰባትን ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰባት ናይ ኤርትራ ወታደራትን ናይ ኢትዮጵያ ወታደራትን ካብ ገዛ ኣውፂኦም ጁንታ እናበሉ ብዘሰቅቕ ኣብ ቅድሜና ረሺኖምዎም ትብል ሳራ።

ናብ እንዳስላሰ ካብ እትመፅእ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝቑፀረት ብምግላፅ ዝተወሰነ ረድኤት እኽሊ ምርካባ ትዛረብ።

ናይ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ግዚያዊ ኣማሓዳሪ ዶክተር ቴድሮስ አረጋይ ኣብ እንዳስላሰ ከተማ ተመዛቢሎም ዝርከቡ ኣማእቲ ኣሽሓት ምዃኖም ይገልፁ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት እናተመዛበሉ ከምዝመፁን እቶም ተመዛበልቲ ናይ ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ከምዘባርሩዎም ከምዝገልፁሎም ይሕብሩ።

ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ብዞባን ክልልን ደረጃ ናይ ንዘራረብ መልዓሊ ሓሳብ ናብ ጎረቤት ዞባታትን ክልልን ኣምሓራ ደብዳቤ ልኢኽና ክሳብ ሕዚ ምላሽ ኣይሃቡናን ኢሎም ዶክተር ቴድሮስ።

ካብ መንግስትን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤትን ብርክት ዝበለ ረድኤት ከምዝመፅእ ብምግላፅ እይኹን እምበር ካብ በዝሒ ስደተኛታትን በብዕለቱ ይውሕዝ ዘሎ ስደተኛን ዝልኣኽ ረድኤት እኹል እዩ ክብሃል ኣይክኣልን ኢሎም።

ናይ ሽረ እንዳስላሰ ጎሊሁ ብምርኣዩ እምበር ካብ ባድመን ከባቢኡን ዝተምዛበሉ ልዕሊ 80,000 ኣብ ከተማ ሸራሮ ካብ ፀለምትን ከባቢኡን ዝተመዛበሉ ካልኦ ኣሽሓት ድማ ኣብ እንዳባጉና ስለዘለው ኣብ 13 ወረዳታት ረድኤት ‘’ንምጥዓም’’ ፈቲና ኢና ይብሉ።

ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝርከቡ ን131,000 ተመዛበልቲ ንክልተ ኣዋርሕ ቀለብ ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑን ረድኤት ከምዝሃቡ ገሊፆም ዶክተር ቴድሮስ።ካብ ዘሎ በዝሒ ተመዛበልቲ ዘድሊ ረድኤት ኣቕሪብና ኢና ኢልና ኣይንኣምንን ክብሉ መሊሶም።

ዓበይቲ ናይ መፅለሊ ድንኳናት ንምትካል ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ ዘላቒ ፍታሕ ግን እቶም ተመዛበልቲ ናብ ምዕራብ ትግራይ ክምለሱ ከለው ከምዝኾነን ምፍትሒኡ ድማ ኣብ ኢዶም ስለዘየለ ብፌደራል መንግስቲ ክምለሱ ኣለዎም ኢሎም።

ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣስታት 150,000 ሽሕ ህዝቢ ከምዝነብረላ ዝገለፁ ዶክተር ቴድሮስ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ግን ካብ ዕፅፊ ንላዕሊ ናብ ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ተተኣናግድ ኣላ ኢሎም።

ብኣምሓራ መንግስትን ዕጡቓትን ይፍፀሙ ኣለው ብዛዕባ ዝተብሃሉ ናይ ምቕታል፣ወራርን ዕንወትን ንብረት ከምኡ እውን ናይ ምብራር ክስታት ብዝምልከት ካብ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ሪኢቶ ንምርካብ ንተኸታተልቲ ማዕልታት ዘካይድኩዎ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ሪፖርተርና ኣስቴር ምስጋናው ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ንሰባት ብብሄራዊ መንነቶም ናይ ምምዝባል ናይ ኣምሓራ ባህልን ክብርታትን ኣይኮነን እቲ ከባቢ ግን ብስፍሓት ኣምሓራይ ዝነብረሉ ከባቢ እዩ ኢሎም።

ወልቃይትን ራያን ከባቢ ብምዕራብ ትግራይ ምስያም እዋናዊ እዩ ዝብል እምነይ የብለይን።እዚ ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ።ናይዞም ከባቢታት ሰባት ነፃነቶም ካብ ዝእውጁ ክልተ ሰለተ ኣዋርሕ እናቑፀሩ እዮም።ኣብ ዕረፍቲ ኣለው።ስለዚ በተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ናይ ትግራይ ግዚያዊ ምምሕዳር ናይ ኮሚኒኬሽን ሓላፊት ወይዘሮ እትየነሽ ሂባቶ ዝተብሃለ ምዕራብ ትግራይ ዝብል ድሕሪ ሕዚ እንተኣረሙዎ ዝሓሸ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምዕራብ ትግራይ እንተድኣ ኮይኑ ሕዚ ካብ ተከዘ ምላሽ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን ይብሉ።

ተመዛቢልና ካብዝብሉን ብልፅግና ዝሸሞም ሰበስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝቐርቡ ሕቶታት ኣቶ ግዛቸው ትህነግ ኢሎም ንዝፀውዕዎ ህወሓት ዕድል ክረብ ዝካየድ ናይ ልመና ፃውዒት እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ ኣለው ኣቶ ግዛቸው ሙልነህ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዶባ ኣልቦ ሓካይም ዝተብሃለ ዓለምለኸ ገባሪ ሰናይ ከተማታት ትግራይ ብተመዛበልቲ ተመሊአን ከምዘለዋን ሓገዝ ከምዘድልን ገሊፁ ነይሩ። ሮይተስ እውን ብዛዕባ እዚ ናይ ምዕራብ ትግራይ ምምዝባል ፀብፃብ ኣቕሪቡ እዩ።

ሓደ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ናይ ውሽጢ ሰነድ ኢትዮጵያ ብሽፋን ኵናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሚሊሽያ ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ ክፋል ክልል ትግራይ ‘’ስልታዊ ወፍሪ ምፅናት ዘርኢ’’ትፍፅም ኣላ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ታሕሳስ ካብ ከተማ ዳንሻ 11 መካይን ኣዴታትን ህፃናትን ተፃዒኖም ኣብ ሩባ ተከዜ ከምዘራገፉዎም ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ቪኦኤ ትግርኛ ፀብፂቡ ነይሩ።ምኽትል ከንቲባ ዳንሻ ዝተባረረ የለን ምባሉ እውን ኣብዚ ፀብፃብ ገሊፅና ነይርና።

ወታደራት ኤርትራ ፈፂሞምዎ ብዛዕባ ዝተብሃለ መግሃስቲ ሪኢቶ ንምርካብ ኒው ዮርክ ናብ ዝርከብ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ስልኪ ደዊልና ኣይተልዓለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ፍልሰት ኣማእቲ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:28 0:00


XS
SM
MD
LG