ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣድማ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ሙኒክ ንበረራታት ይዕንቅፍ


መዓርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዝኾነ ሙኒክ
መዓርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዝኾነ ሙኒክ

ሓደ ካብ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ጀርመን ዝኾነ ሙኒክ፡ ሰራሕተኛታቱ ንኽልተ መዓልታት ብዘካየድዎ ኣድማ ብኣማኢት ዝቑጸር በረራታት ተሰሪዙ።

ብመሰረት ወሃቢ-ቃል እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ 380 ዝዓርፋን ዝብገሳን ዝነበራ በረራታት 100 ጥራይ ኣብ ግዜኡ ምክያዱ ሓቢሮም።

ነቶም ሰራሕተኛታት ዝውክል ቨርዲ ዝተባህለ ማሕበር እቶም ሰራሕተኛታት 8 ሚእታዊት ደሞዝ መሃያ ከምኡ'ውን ነቲ ጸቕጢ ዝበዝሖ ስራሓት ድማ ዝያዳ ግንዖን ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ይጠልቡ ምህላዎም ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሃምበርግ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት’ውን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሮም ኣብ ኣድማ ይርከቡ።

ብሰኑይ ድማ ሰራሕተኛታት ማዕርፎ ነፈርቲ ኮለንን ዱስልፎርድን ኣድማ ምክያዶም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ’ሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG