ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ህልቂት ቱልሳ ናብ ኦክሃማ ገይሾም


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣብ 1921 ኣ/ፈፀዓዱ ንፀሊም ማሕበረሰብ ብምጥቓዕ ን300 ሰባት ብምቕታልን ን10,000 ሰባት ቤት ኣልቦ ዝገበረን መበል ሓደ ምእቲ ዓመት ህልቂት ዘርኢን ዕንወትን ንምዝካር ሎማዕንቲ ሰሉስ ናብ ቱልሳ ክፍለ ግዝኣት ኦክልሃማ ይጉዓዙ ኣለው።

ኣማእቲ ሰባት ኣብ ቱልሳ ግሪንውድ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ናይ ቬርኖን ኣፍሪካ ሜቶድስት ኤፒስኮፓል ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ተኣኪቦም ነይሮም።እዚ ናይ ትማሊ ሶኑይ ስነስርዓት ኣብታ ሃገር ኣዚዩ ካብ ዘስካሕክሕ ዘርኣዊ ህልቂት ሓደ ናይ ዝኾነ ፈላማይ ማዕልቲ መበል ሓደ ምእቲ ዓምት ዝተኻየድ ዝኽሪ እዩ።

ረቨረንድ ጀሲ ጃክሰንን ዊሊያም ባርበርን ሓዊሱ መራሕቲ ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ እምነት ዝተረኸቡሉ ፀሎት ተኻፊሎምን መልእኽታቶም ኣሕሊፎምን።ባርበር።

‘’እዚ መንድቕእዚ ክንርኢ ከለና ንዘካየዱዎ ቓልሲ ጥራሕ ኣይኮናን ንዝክር’’ ዝበሉ ረቨረንድ ዊሊያም ‘’እዚ ህንፃ እዚ ሎሚ እውን ኣብ ቁጠባዊ ፍትሒ ኣብ ናይ መረፅቲ ዓፈና ዘሎ ቓልሲ ንምክያድ ትብዓት ዘዕጥቐና እዩ’’ ኢሎም።

ድሕሪ ምዕናው ዳግም ዝተሃነፀ ህንፃ ኣብ 2018 ኣ/ፈ ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ታሪኻዊ ቦታታት ሰፊሩ ኣሎ።

ፀዓዱ ኣብ 1921 ኣ/ፈ ፀለምቲ ናብ ዝነብርሉ ከባቢ ብዕስለ ብምኻድ ኣብ ከይዲ ህንፀት ንዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ህንፃ ብምዕናው ፣ኣባይቲ ብምቅፃል፣ንብረት ብምውራርን ካብ ዓሰርተታት ክሳብ 300 ዝኾኑ ሰባት ቀቲሎም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ፕረ. ባይደን ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ህልቂት ቱልሳ ናብ ኦክሃማ ገይሾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:40 0:00



XS
SM
MD
LG