ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን ተመዛቢሎምን ተባሂሉ


አባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር
አባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር

ሓይልታት ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣብዓላ ፈኒዮምዎ ብዝበሉዎ መጥቓዕቲ ከቢድ ብረት ንምምዝባል ብዙሓት ኣሽሓት፣ንምጥፋእ ህይወት ስቪላትን ዕንወት ንብረትን ምኽኒያት ምዃኑ ኣብ ክልል ኣፋር ኣማሓዳሪ ዞባ ክልተ ገሊፆም።ክልል ትግራይ ወገኑ ልዕሊ 250 ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣብዓላ ተቐቲሎም፣ልዕሊ 900 ስድራታት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ክብል መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ ክልል ዓፋር ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ክልተ መሓመድ ኢንድሪስ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ሓይልታት ህወሓት ናይ ትግራይ ጎረቤት ኣብ ዝኾነትን ካብ መቐለ ከባቢ 50 ኪሎ ሜትር ሪሑቓ ኣብ እትርከብን ኣብዓላ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዝኸፈቱዎ መጥቓዕቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንከባቢኦም ገዲፎም ክመዛበሉ ከምዝተገደዱ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣብዓላ በከቢድን ቀሊልን ብረት ዝተዓጀበ ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ዓሰርተ ማዕልታት ከምዝገበረን ሕዚ እውን ከምዝቐዘለን ዝገለፁ ኣቶ መሓመድ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።ሰባት ክሳብ በራሕለን ካልኦት ከባቢታትን ከምዝተመዛበሉ ገሊፆም።

እታ ከተማ ኣዚያ ዝፀንሐት፣ናይ ንግድን ፖለቲካን ማእኸል ብምዃና ናይ ሰሜን ዓፋር ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ብምዃኑ ብምሉኡ ልዕሊ 70,000 ህዝቢ ተመዛቢሉ ኣሎ ኢሎም።ኣብ ሰለስተ ናይ መዕቖቢ ማእኸላት ክዕቆቡ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ሓይልታት ህወሓት ዝበሉዎም ኣብ ዝለዓለ ቦታ ኮይኖም ፈፂሞምዎ ዝበሉዎ ናይ ከቢድ ብረት መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ኣገልግሎት ወሃብቲ ማእኸላትን ናይ ውልቂ ኣባይትን ጉድኣት ከምዝወረደ ተዛሪቦም።

ካብ ሆስፒታል ጀሚሩ ክሳብ ናይ ውልቂ ክልኒክ ዝተረፈ የለን ዝበሉ ንሶም ‘’ቤተ ክርስቲያንን መስጊድን ከይተረፈ ኩሉ ዓኒዩ ክብሃል ይክኣል’’ ኢሎም።

በቲ መጥቓዕቲ ንፁሃት ሰባት ግዳያት ምዃኖም ዝገለፁ ንሶም ሕዚ እውን እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ስለዘሎ ንሰባት ምቕባር ኣይክኣልናን ቁፅሮም እውን ምፍላጥ ኣይንኽእልን ኢሎም።ብዛዕባ እዚ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተውሃበ መልሲ የለን።

ብኻሊእ ዜና ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ ልዕሊ 250 ተወላዶ ትግራይ ብግፍዒ ተቐቲሎም ኢሉ።እቶም ግዳያት ብትግራዋይ መንነቶም ተፈሊዮም ተቐቲሎም ኢሉ እቲ መግለፂ።ልዕሊ 900 ምእቲ ስድራታት እውን ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እዞም ዝተመዛበሉ ብዝዓበየ ዓበይቲ፣ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ምዃኖምን ብዘይ ምግቢ፣መዕቖቢ፣ኽዳንን መድሓኒትን ከምዝርከቡን በዝሖም ዘይፍለጡ ካልኦት ትግራዋይ መንነት ዘለዎ ተኣሲሮም ናብ ሰመራ ከምዝተወሰዱን ምናልባሽ እውን ብጭካነን ዘዋርድን ኣገባብ ተታሒዞም ክኾኑ ከምዝኽእሉን እቲ መግለፂ ይሕብር።

እዚ መቕተልቲ፣ምብራርን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብኣጋጣሚ ዝፍፀም ከይኮነስ ብትእዛዝ ስርዓት ኣብይ ኢሉ ዝፀውዖ መንግስቲ ብሰበስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ዝፍፀም እዩ ክብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ።ኣብዚ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ሓይልታት ኤርትራ ምስታፎም እውን ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ ይብል እቲ መግለፂ።

ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብዝርከቡ ገለ ብሰበስጣን ዝተፈፀመ መንነት መሰረት ዝገበረ ግፍዒ ሰለዝኾነ ንተራ ዓፋረቶት ዒላማ ዝገበረ ሒነ ናይ ምፍዳይ መጥቓዕቲ ኣይንፍፅምን ዝበለ እቲ መግለፂ እቲ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኣዎል ኣርባን ደገፍቱን ክወድቕ ኣለዎ ኢሉ መገልፂ።

መንግስቲ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ጃምላዊ መቕተልቲ ጠጠው ከብል፣ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተታሒዞም ዝርከቡ ብምፍታሕን ኣብ ጃምላዊ ቕትለን ዝተሳተፉ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርብን ብፅኑዕ ንሓታት ይብል መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ትግራይ።

ነዚ ናይ ክልል ትግራይ ዳሕረዋይ ክሲ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ፌደራል መንግስቲን ከምኡ እውን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተውሃበ ሪኢቶ የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG