ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ኩነታት ናብ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ


ኵናት ኣብዝተኻየዶ ክልል ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ዘሎ ኩነታት ናብ ቅልውላው ከምርሕ ከምዝኽእል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሳሲቡ።ኣብ ጎንደር፣ዳንሻ፣ከምኡ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ጨርጨር ዝተመዛበሉ ሰባት ኩነታት ዝምልከት እቲ ኮሚሽን ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓገዝን ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽንካብ 6 ታሕሳስ ክሳብ 11 ታሕሳስ 2013 ዓ\ም ኣብ ጎንደርን ዳንሻን ካብ 22 ታሕሳስ ክሳብ 27 ታሕሳስ 2013 ዓ\ም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ ጨርጨር ናብ ዝርከቡ ናይ ገጠር ዓድታት ኡላጋን ቢሶበርን ብምጉዓን ናይ መንግስትን መንግስታዊ ዘይኮኑን ኣካላትን፣ዝተጎድኡን ካልኦት ዝምልከቶምን ኣካላት ብምዝርራብ ዘካየዶ ምርመራ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ምርመራ ኣካይደ ኣብ ዝበሎም ዳንሻ፣ሑመራ፣ኣብ ቢሶበርን ኡላጋን እቲ ኵናት ናይ ስቪላት ሞትን ኣካላዊ ጉድኣትን ምስዓቡ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ናይቲ ኮሚሽን ወይዘሪት ኣልበባ ተስፋየ እቲ ኵናት ኣብ ዝተኻየዶም ዳንሻ፣ሑመራ፣በቢሶበን ኡላጋን ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምርሕ ይኽእል እዩ ኢለን።’’ረድኤት ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ዘስግእን ምዃኑን ንዝምልከቶም ኣካላት፣ኢትዮጵያዊያን ረድኤት ክገብሩ ፃውዒት ዝገብር ፅበፃብ እዩ’’ ኢለን ብምውሳኽ።

‘’ንሕና ኣብ ዝኸድናሎም ቦታታት ዝርኣናዮ ከም ማይ፣መብራህቲ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት የለውን ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ንርእሶም እኹል ቀረብ የብሎምን’’ ኢለን።

ኣብ ሑመራ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሓዊሱ 94 ሰባት፣ኣብ ወረዳ ጨርጨር ቢሶበን ኡላጋን 31 ስቪላት ሰባትን ከምዝተቐትሉ እቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ ኣሎ።ኣብ ቢሶበርን ኡላጋን ዝሞቱ 31 ሰባት ግን ኣብቲ ውግእ ዘይተሳተፉ ስቪላት እዮም ኢለን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ትግራይ ዝተምዛበሉ 73 ሽሕ ሰባት ከምዝኾነ ሓቢረን።ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ስርቅን ምዕናው ንብረትን መን ፈፂሙዎ ንዝብል ሕቶ ኣብ ሑመራ ዝተፈፅመ ገበን ፍሉይ ሓይሊ ሓዊሱ ተሳቲፎም እዮም ዝብሃል።ኣብ ዳንሻ ይውሓድ ይንኣስ ደሓን እዩ።ዘፍርሕ ዘሎ ብሄር ተኮር ምፍርራሕ እዩ።በዚ ምኽኒያት ድማ ዝተሰደዱ ሰባት ኣለው ኢለን።

ዮናታን ዘብዲዮስ ዘዘራረብኩዎም ነበርቲ ነቲ ዘረፋ ዝፈፀሙ ፋኖ ዝብሃል ናይ ኣምሓራ ተወለድቲ መናእሰይ ከምዝኾኑን ውሱን ዝኾኑ ናይ ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ከምዝፈፀሙዎን ከምዝገለፅኡ ብምሕባር ኣብቲ ሪፖርት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ናይ ኤርትራ ወታደራትን ኣብት ዘረፋ ምስታፎም ተገሊፁ ኣሎ።

ብቀንድነት ዝኽሰስ ዘሎ ፋኖ ኢዱ ኣእትዩ ዝብል እዩ ዝበላ ንሰን ግን ንሕና ዝሰማዕናዮ ድማ ናይ ስቪል ዝተኸደኑ ኩሎም ወረርቲ ፋኖ ተባሂሉ እዩ ዝድምደም ኢለን።

ብሓፈሻ ግን ሓይልታት ምክልኻል ስርዓት ዘለዎም ምዃኖምን ዝተወሰኑ ኣባላት ምክልኻል ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባር ምስታፎም ስሚዕና ኣለና ኢለን።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝኸዶም ከባቢታት እቶም ፅጉማት ብነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ወይ ሓደ ግዜ ጥራሕ ረድኤት ከምዝተውሃቦምን ኣብቲ ሪፖርት ተሓቢሩ ኣሎ።ኣብ ስቪል ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ዝምልከቶም ኣካላት ዝለዓለን ቅልጡፍን ምርብራብ ዝሓትት እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ክኢላታት ናይቲ ኮሚሽን ካብ 2 ጥሪ ጀሚሩ ንተወሳኽ ስራሕ ናብ ከተማ መቐለን ካልኦት ከባቢታት ክልል ትግራይን ብምንቅስቓስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ብምምርማር ምስ ተዛዘመ ዕላዊ ክኸውን ምዃኑ ወሲኹ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG