ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያ ተፈፂሞም ንዝተብሃሉ መግሃስቲ ንኸፃሪ ሓቲቱ


Human rights watch logo
Human rights watch logo
ንስራሕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ፈሊሶም ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ኢትዮጵያዊያን ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ምጥሓሳት ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ንኸፃርዮ ህይውማን ራይስ ዎች ዝተብሃለ ጉጀለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ።ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛትታ ኣብ ስዑዲ በፂሑና ዝበለዎ መግሃስቲ መሰላት ብዝርዝር ብምቕማጥ እቲ ጉዳይ ተፃሪዩ ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ንቐርቡ እቲ ጉጅለ ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ሱዒዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛታት ንናይ ገሊኦም ህይወት ዘጥፍአን ንብዙሓት ዘቑሰለን ናይ ኣካል መውቃዕቲ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ወፃኢ ሰራሕተኛታት ዝበፅሑ ምጥሓስ መሰላት ከምዝተሓሳሰቦ ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደብሩ ህይውማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ’ሎ።

ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ የብልኩም ብዝብል ናብ ሃገሮም ብሓይሊ ዝምለሱ ሰራሕተኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሕሉ ኩነታት እውን ንደቂ ሰባት ዘይግባእን ናይ ፀጥታ ሓለዋ ዘይተገበረሉን ነይሩ ክብል እቲ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ገሊፁ።

ኣብ ህይውማን ራይትስ ዎች ሓላፊ ማእኸላይ ምብራቕ ጆ ስቶር ኣብ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ሰራሕተኛታት መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ከምዝሻቐሎም ብግላፅ ‘’ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ወታደራዊ ኽዳን ዘይተኸደኑ ስዑዳዊያን እዮም።በትርን ካራን ሒዞም ክወፁ ከለው እቲ መንግስቲ ጠጠው ከብሎም ኣይፈተነን።ንናይቶም ስደተኛታት ደሕንነት እውን ኣይሓለወን።እዚ እዩ ዘተሓሳስበና’’ኢሎም።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ መንግስቲ ስዑዲ ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ናይ ወፃኢ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወፍሪ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ንናይ ወፃኢ ሃገር ሰራሕተኛታት ፅልኢት ሓዪሉ መናእሰይ እውን በትርን ካራን ብምሓዝ ኣብ ኣደባባይ ንዝረኸብዎ ፀጉረ ልውጥ ክቕጥቅጡ ምፅንሖም ህይውማን ራይትስ ዎች መዝጊቡ’ሎ።

እዞም መግሃስቲ መሰላትን መጥቓዕትታትን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣፃሪዩ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ናብ ፍርዲ ንከቕርቦም ፀዊዑ’ሎ።ንሕና እንፈልጦ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ዛጊድ ዝተሓተቱ ከምዘየለው እዩ ምስ በሉ ዝተኣሰሩ ይኹኑ ዝተኸሰሱ እውን የለውን ኢሎም እቶም ሓላፊ።

መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ንዝበፅሑ በደላት ተመጣጣኒ ዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ነቲ ጉዳይ እናመርመረ ምዃኑ ምግላፁ ይዝከር።

ህይውማን ራይትስ ዎች ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ዝተፈላልዩ መሰኻኽር ብቴሌፎን ኣዘራሪቡ’ሎ።ነቲ ጉዳይ ንምምርማር መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ፍቓድ ብዘይምሃቡ ካብ ጎረቤት የመንን ብቴሌፎንን ነቲ ሓበሬታ ከምዝኣከበ ይገልፅ።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ገለ ናይ ሪያድ ከባቢታት ንመንገድታት ብምዕፃው ንዜጋታት ስዑዲን ንካልኦት ፍቓድ ዘለዎን ሰባት ብምቕጥቃጥ ንናይቲ ከባቢ ፀጥታ ሃዊኾም ነይሮም ይብል።

ነዚ ብገለልተኛ ወገን ንምፅራይ ህይውማን ራይትስ ዎች ዘቕረቦ ሕቶ ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እቲ ፍፃመ ተሓቢኡ ምትራፉ ህይውማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG